ብኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ቀባኣይ ዝፈረዩ ኣሳእል ኣብ ፓሪስ ንምርኢት ክቐርቡ’ዮም

Radio Erena: 11 July 2022

ብኤርትራዊ ኣመሪካዊ፣ ፍቕረ ገብረየሱስ ዝፈረየ ናይ ቅብኣ ኣሳእል፣ ካብ 8 መስከረም ክሳብ 22 ጥቅምቲ፣ ኣብ ፓሪስ ንምርኢት ክቐርብ ምዃኑ ኣገልግሎት ፕረስ -PA ሓቢሩ።

ስነጥበባዊ ፍቕረ ገብረየሱስ ዘፍረዮ ቅብኣታት፣ ኣቐዲሙ ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ መዘክርን ኣመሪካን ኢጣልያን ንምርኢት ዝቐረበ ኮይኑ፣ ኣብ ፓሪስ ግና ንፈለማ እዋን ንተዓዘብቲ ክፉት ከምዝኸውን እቲ መርበብ ዜና ኣቃሊሑ።

ኣብ ስነ ቅብኣ መጽናዕቲ ዘካይዱን ኣብቲ ዓውድ ኣብ ዝግደሱስን ልዑል ተምሳጥ ኣሕዲሩ ከምዘሎ ዝግለጽ ፍርያት ፍቕረ ገብረየሱስ፣ ብመንገዲ ‘ቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝመደበሩ፣ ጋለሪ ሊሎንግ ናይ ብርክቲ ትካል’ዩ ኣብ ፓሪስ ንምርኢት ክቐርብ።

ስነጥበባዊ ፍቕረ ገብረየሱስ፣ ኣብ 1962 ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ፣ ኣብ 4 ሚያዝያ 2012 ድማ ኣብ መበል 50 ዓመት ዕድሚኡ፣ ኣብ ሃምደን፣ ኮነክትካት ኣመሪካ ‘ዩ ዓሪፉ።

ብዘይካ ኣብ ቅብኣ፣ ኣብ ሙዚቃን ካልእ ዓውድታት ስነጥበብ’ውን ልዑል ተምሳጥን ኣበርክቶም ከምዝነበሮ ሰነዳቱ የዘንቱ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Zeragabr 2 years ago

    ሰላም ኤረና፡ ኣድራሻ ናይ’ዚ ምርኢት ኣበይ ምዃኑ ክፈልጥ ምደለኹ?
    ክብረት ይሃበለይ።