ፓሪስ፣ ኣብ ሊብያ  ንዝፍጸም ዘሎ መሸጣ ስደተኛታት ንምቅዋም፣ ኣብ ቀጽሪ ኤምባሲ ሊብያ ሰልፊ ተኻይዱ

ፓሪስ፣ ኣብ ሊብያ ንዝፍጸም ዘሎ መሸጣ ስደተኛታት ንምቅዋም፣ ኣብ ቀጽሪ ኤምባሲ ሊብያ ሰልፊ ተኻይዱ

Radio Erena: 21 November 2017

paris protest

ኣብ ሊብያ ንዝፍጸም ዘሎ መሸጣ ስደተኛታት ንምቅዋም፣ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ኤምባሲ ሊብያ ሰልፊ ተኻይዱ።

እቲ ብቀዳም 18 ሕዳር ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝተወደበ ኮይኑ፣ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዲድየር ድሮግባ፣ ዕውትቲ ውድድር ቁንጅና ወይዘሪት ፈረንሳ ሶንያ ሮላንድን ካልኦት ህቡባት ሰባትን’ዮም ጎስጓድ ኣካይዶምሉ።

ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ሊብያ ዝተኣኻኸቡ ኣማኢት ሰባት፣ “ኣይፋል ንባርነት” ዝተጻሕፎ ጭርሖታት ብምልዓል፣ ብሕቡራት ሃገራት ተቐባልነት ዘለዎ መንግስቲ ሊብያ ኣንጻር እቶም ስደተኛታት ዝሸጡ ዘለዉ ሊብያውያን ስጉምቲ ክወስድ ጸዊዖም።

 

ካብ ቀጽሪ ኤምባሲ ሊብያ ዝተበገሱ እቶም ሰልፈኛታት፣ ናብ ሓደ ካብ ኣውራ ጎደናታት ፓሪስ ዝኾነ ሻ-ን-ዘ-ሊዘ እናምርሑ ብፖሊስ ተዓጊቶም።

መደበር ቴሌቪዥን ሲኤንኤን ኣብ ሊብያ ንዝካየድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ብዝምልከት ኣብ ዘዳለዎ መደብ፣ ሊብያውያን ንስደተኛታት እናሸጥዎም ዘርኢ ቪድዮ ከምዝዘርግሐ ይፍለጥ።

እቲ መደብ ድሕሪ ምፍናዉ፣ ኣንጻር እቲ ኣብ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ መሸጣ ደቂሰብን ባርነትን ብደረጃ ዓለም ተቓውሞ ኣለዓዒሉ ይርከብ።

ኣብ ሊብያ፣ ኣብ ትሕቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝተመዝገቡ ኣስታት 40 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ክህልዉ እንከለዉ፣ ኣስታት ሽዱሽተ ሽሕ ዝተገመተ ብዝሒ ኤርትራውያን ድሕሪ ዜጋታት ሶርያ ኣብ ካልኣይ ደረጃ’ዩ ዝስራዕ።

እንተኾነ፣ ኣብ ትሕቲ’ዚ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ዘይተመዝገቡ ኣብ መዝርዓታት ተታሒዞም ዝርከቡ ኣማኢት ኤርትራውያን ክህልዉ ከምዝኽእሉ ይግመት።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0