ርዋንዳ፣ ዜጋታት ኩለን ሃገራት ብዘይቪዛ ክኣትዉ ትፈቅድ

ርዋንዳ፣ ዜጋታት ኩለን ሃገራት ብዘይቪዛ ክኣትዉ ትፈቅድ

Radio Erena: 21 November 2017

rwanda visa

መንግስቲ ርዋንዳ፣ ካብ ኩለን ሃገራት ናብታ ሃገር ንዝበጽሑ ገያሹ ብዘይ ቪዛ ክኣትዉ ዝፈቅድ ሓድሽ ኣዋጅ ኣውጺኡ።

እቲ መንግስቲ ዜጋታት ኩለን ሃገራት ዓለም ብዘይቪዛ ክኣትዉ ዝፈቕደሉ ዘሎ ምኽንያት፣ ቁጽሪ በጻሕቲ ሃገር ንምትብባዕ’ዩ።

በዚ ሓድሽ ኣዋጅ መሰረት፣ ብዘይካቶም ንስራሕ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ወጻእተኛታት፣ ንዑደት ይኹን ካልእ ሓጺር ምጽናሕ ንዝደልዩ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ቪዛ ከይሓተቱ ናብ ርዋንዳ ክብገሱ ከምዝኽእሉ’ዩ ዘመልክት።

ቪዛ ከይሓተቱ፣ ኣብ ዝጥዕሞም እዋን ዝብገሱ ገያሾ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ፣ 30 ዶላር ብምኽፋል፣ ናይ ሓደ ወርሒ መጽንሒ ፍቓድ ሒዞም ናብ ሩዋንዳ ክኣትዉ’ዮም።

 

እቲ ካብ 1 ጥሪ 2018 ኣትሒዙ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ሓድሽ ኣዋጅ፣ ነታ በሰላታት ኵናት ሓድሕድን ዓሌታዊ ህልቂትን ኣብ ምሕያው እትርከብ ሓድሽ ምስሊ ኣብ ምሃብ ክሕግዛ ምዃኑ ክኢልታት ዓውዲ ቱሪዝም የረድኡ።

ሩዋንዳ ዓመታዊ 1.4 ሚልዮን በጻሕቲ ሃገራት ተእንግድ ከምዘላ ዝሓበሩ እቶም ክኢላታት፣ እታ ሃገር ኣብ ዝሓሸ ጎደና ምዕባለን ርጉእ ሃዋሁውን ስለ እትርከብ፣ ምስዚ ሓድሽ ናይ ቪዛ ምስራዝ ውሳነ፣ በጻሕቲ ሃገራት ከዘውትሩዋ ትጽቢት ከምዘሎ ይጠቕሱ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0