ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ተኽእሎታት ምቁራጽ ተዅሲ ንምዝታይ ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ’ዩ

Radio Erena: 05 October 2022

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ደው ዝብለሉን ዝርርብ ተጻባእቲ ወገናት ዝጅምረሉን ተኽእሎታት ብዝምልከት ንምዝታይ ናብ ኢትዮጵያ ከምርሕ’ዩ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ፣ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ንምዝታይ፣ ኣብቲ ካብ 3 ክሳብ 18 ጥቅምቲ፣ ዘካይዶ ምብጻሕ ናብ ኬንያን ደቡብ ኣፍሪቃን’ውን ክመላለስ ምዃኑ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ዳግማይ ካብ ዝባራዕ፣ እቲ ፍሉይ ሉእኽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክበጽሕ ንኻልኣይ እዋኑ’ዩ።

ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኵናት ብዝቐልጠፈ ደው ክብልን ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝርርብ ክጅምርን ኣብ ዝብል ነጥቢ ብምትኳር፣ ብዘይካ’ቲ ምስ ሰበ ስልጣን ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ዘካይዶ ርክባት፣ ምስ መራሕቲ ኬንያን ደቡብ ኣፍሪቃ ‘ውን ክመክር’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ጽዕጹዕ ኵናት ተጸሚዶም ዝርከቡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፣ ብድፍኢት ኣመሪካ ናብ ጂቡቲ ተዛተይቲ ከምዝልኣኹ ክግለጽ እኳ እንተቐነየ፣ ውጽኢቱ ግና ኣይተገልጸን።

ምምሕዳር ባይደን፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝቐልጠፈ ደው ክብል ክልቲኦም ወገናት ናብ ዘተ ክቐርቡን ዘካይዶ ዘሎ ጻውዒት፣ ኤርትራውያን ‘ውን ሰራዊታ ካብ ኢትዮጵያ ክትስሕብ’ዩ ዘጠንቅቕ።

እቲ ምምሕዳር፣ ንኩሎም ወገናት ዘቅርቦ ዘሎ ጻውዒት ኣብ ግብሪ እንተዘይውዒሉ፣ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዘንበሮ ዝበኣሰ እገዳታት ከንብር ከምዝኽእል ዲፕሎማሰኛታት ይእንፍቱ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0