መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብሕብረት ኣፍሪቃ ንዝተጸውዐ፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ቀጥታዊ ዝርርብ ምስ ህወሓት ንምስታፍ ተሰማሚዑ

Radio Erena: 05 October 2022

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብሕብረት ኣፍሪቃ ንዝተጸውዐ፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ቀጥታዊ ዝርርብ ምስ ህወሓት ንምስታፍ ከምዝሰማማዕ ገሊጹ።

እቲ መንግስቲ ምስ ህወሓት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝካየድ ቀጥታዊ ዘተ ከምዝሳተፍ፣ ብመንገዲ ማዕከናት ዜናኡ ኣብ ዘቕረቦ ወግዓዊ መግለጺ ዘፍልጥ ዘሎ፣ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ፣ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፣ ናብ ኢትዮጵያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ምብጻሕ ኣብ ዝጀመረሉ ዕለት’ዩ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ፣ ካብ 03 ክሳብ 18 ጥቅምቲ፣ ንክልተ ቅነ ኣብ ዝጸንሓሉ ዑደት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኵናት ደው ብምባል ናብ ዘተ ዝቐርብሉ መንገዲ ንምንዳይ ከተኩር ምዃኑ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ መግለጺኡ ኣነጺሩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብምትኳር ይዝቲ ምህላዉ ዲፕሎማሰኛታት ኣሚቶም።

ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ዳግም ቅድሚ ምጅማሩ፣ ክልቲኦም ወገናት፣ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ኬንያ ብቀጥታ ክዘራረቡ ተኽእሎ ከምዘሎ ይግለጽ ኔሩ’ዩ።

እቲ ኵናት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን’ውን እንተኾነ፣ ክልቲኦም መጻርርቲ ወገናት፣ ብድፍኢት ኣመሪካ፣ ዝዘራረቡ ወከልቶም ናብ ጂቡቲ ልኢኾም’ዮም።

እንተኾነ፣ ውጽኢት ናይቲ ናይ ጂቡቲ ዝርርብ ኣይተጠቕሰን።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ፣ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፣ ዳግም ዝተወልዐ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ 45 መዓልታት ኣቝጺርሉ ኣብ ዘሎ ዕለት፣ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክምለስ ንኻልኣይ እዋኑ’ዩ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ትጽቢት ንዝግበረሉ ቀጥታዊ ዘተ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፣ ፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር፣ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኦሉሶጉን ኦባሳንጆ፣ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር፣ ኡሁሩ ኬንያታን ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረት፣ ፋምዙሌ መላምቦ ንጉካን ብመንጞንነት ከም ሸምገልቲ ክዋስኡ ሕብረት ኣፍሪቃ ረቝሑዎም ኣሎ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0