ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ፣ ትግባረ ስምምዕ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ንምክትታል ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ’ዩ

Radio Erena: 02 June 2023

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፣ ንትግባረ ናይቲ ኣብ መንጎ
መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፣ ኣብ 02 ሕዳር 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ከተማ ፕሪቶርያ
ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ንምክትታል ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ ምዃኑ መግለጺ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ
ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

ኣምሳደር ማይክ፣ ካብ 31 ግንቦት ክሳብ 06 ሰነ ኣብ ዘሎ፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዝጸንሐ
ዝሓበረ እቲ መግለጺ፣ ኣብ ጂቡቲ ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ጸጥታን ድሕነትን ምብራቕ ኣፍሪቃ
ከምዝሳተፍ ኣመልኪቱ።

እቲ ዋዕላ፣ ብሰራዊት ኣመሪካ እዚ ኣፍሪቃን ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተወደበ’ዩ።

ንሱ ቅድሚ ናብ ኢትዮጵያ ምብጋሱ፣ ምስ ሰበ ስልጣን ኢጋድ ብምርኻብ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት እቲ
ዞባ፣ ብፍላይ ድማ ኩነታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ክዝቲ’ዩ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝጸንሓሉ ድማ፣ ኣብ ትግባረ ናይቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን
ህወሓትን ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተኸተመ ስምምዕን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃታትን ክመኻኸር
ትጽቢት ይግበር።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ፣ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቑ ብምፍታሕ በብደረጅኡ ኣጽዋራቱ ናብ መንግስቲ
ኢትዮጵያ ከረክብ እንከሎ፣ እቲ መንግስቲ ብግዴኡ፣ ተቛሪጾም ዝጸንሑ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር
ምምላስን፣ ኣብ ዳግመ ሕውየት ክልል ትግራይ ዘተኮረ መደባት ከሰላስልን ምዃኑ ይገልጽ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0