ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ናብ ሃገራት እቲ ዞባ ዑደት የካይድ

RADIO ERENA –Monday, 01 April 2024

ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ዡ ቢንግ፣ ናብ ሃገራት እቲ ዞባ ዑደት ኣብ ምክያድ ይርከብ።

እቲ መልእኽቲ ፕረዚደንት ቻይና፣ ዢ ዚፒንግ ሒዙ ናብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምሪሑ ዘሎ ፍሉይ ልኡኽ ዛጊት ናብ ሶማል፣ ጅቡቲን ኢትዮጵያን በጺሑ ኣሎ።

ንሱ ኣብዘን ሃገራት ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ፣ ምስ መራሕተንን ላዕለዎት ሰብ ስልጣን እተን ሃገራት ብምርኻብ፣ ቻይና ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ኣተኩሮ ብምርግጋጽ፣ ኣብ ምትሕግጋዝ ዘተኮረ ዝምድና ንምሕያል ኣብ ዝብል ዛዕባ ተመያይጡ።

ኣብ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ምስዚ ኣብዚ እዋንዚ ተፈጢሩ ዘሎ ስግኣትን ጸጥታ ብዝተሓሓዝውን ቻይና ጭፍራ መራኽባ ንምውፋር ንዘለዋ መደብውን ኣካል እቲ ዘተ ምዃኑ ዩ ተመልኪቱ።

ናብ ቀይሕ ባሕሪ ሚሳይላትን ድሮናትን ዝውንጭፍ ዘሎ ሑቲ፣ ንመራኽብ ቻይና ከምዘየጥቅዕ ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፣ ሃገራት ምዕራብ ነቲ ጸጥታዊ ኩነታት ብምምዝማዝ፣ ጭፍራ መራኽበን ናብቲ ክሊ ማይ የዋፍራ ምስ ምህላወን፣ ቻይናውን ሓይላ ንምርኣይ ተመሳሳሊ ተበግሶ ከምእትወስድዩ ዝጥቐስ።

ቻይና፣ ኣብ ጂቡቲ ኣስታት 500 ብዝሒ ወትሃደራት ዘለዎ መዓስከር ከምዘለዋውን ይፍለጥ።

እታ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ዕደና፣ ህንጻን ጸዓትን ገዚፍ ወፍርታት ዘለዋ ቻይና፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድሕሪ ዝተራእየ ቅልጡፍ ምቅይያራት፣ ካብ 2022 ኣትሒዛ ፍሉይ ልኡኽ ከምዝመዘዘት ይዝከር።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0