መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ መራሕቲ ፖለቲካውያን ተቓወምቲ ንዝርከብዎም 52 ሰባት ብሽበራ ከሲሱ

RADIO ERENA –Monday, 01 April 2024

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝነጥፉ፣ መራሕቲ ተቓወምቲ ፖለቲካውያን ውድባት ዝርከብዎም 52 ሰባት ብሽበራ ከምዝኸሰሰ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፣ ንሽበራ ክርኢ ዝቖመ መጋብኣያ ቀሪቡ ዘሎ ክሲ፣ ብሚኒስትሪ ፍትሒ ኢትዮጵያ ዝተመስረተዩ።

ካብቶም ብሽበራ ተኸሲሶም ዘለዉ መራሕቲ ተቓወምቲ ፖለቲካውያን ውድባት፣ ዘመነ ካሴ፣ እስክንድር ነጋ፣ ዶ/ር ካሳ ተሻገር፣ ጫኔ ከበደን ኣብል ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ነበር ዮሃንስ ቧያለው ይርከብዎም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነዞፕም ብሽበራ ከሲስዎም ዘሎ ሰባት ምስዚ ኣብቲ ክልል ኣምሓራ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ብምትሕሓዝዩ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ፋኖን ካልኦት ዕጡቓት ናይቲ ክልልን ኣንጻር ሰራዊት መንግስቲ ኵናት ኣብ ምክያድ ይርከቡ።

ካብቶም ብሽበራ ተኸሲሶም ዘለዉ ድማ ገሊኦም ምስቶም ዕጡቓት ዝተጸንበሩዮም።

ኣብ ትሕቲ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ዝርከብ ክልል ኣምሓራ፣ ዝበዝሐ ክፋሉ፣ ጸጥታኡ ፈሪሱ፣ መሰረታዊ ኣገልግሎታቱ ተሰናኺሉ ይርከብ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0