ፈረንሳ፣ ዜጋታታ ካብ ኢትዮጵያ ክወጹን መዕርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ከም መሰጋገሪ ወይ ትራንዚት ከይጥቀሙን ኣጠንቂቓ

Radio Erena: 21 November 2021

መንግስቲ ፈረንሳ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዜጋጋቱ ክወጹ ተማሕጺኑ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ፣ ህሉው ኩነታት ኢትዮጵያ ብምግምጋም፣ ብ21 ሕዳር ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ መምርሒታት ንገያሾ፣ ኣብ ትግራይ ብሰሜን ዝጀመረ ኵናት ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ሰሜን ሸዋ በጺሕሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ዜጋታት ፈረንሳ ካብታ ሃገር ክወጽኡ ኣጠንቂቑ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕመጡ ዘለዉ፣ ናይ ፈርንሳ ዜግነት ዘለዎም ስድራቤታት፣ ጠቕሊሎም ካብታ ሃገር ክወጹ መግለጺ እቲ ሚኒስትሪ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ንመዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ከም መሰጋገሪ ወይ ትራንዚት ዝጥቀምሉ ፈረንሳውያን ገያሾ’ውን መንገዲ ጉዕዞም ክቕይሩ ተላብዩ።

ኣመሪካ፣ ብሪጣንያ፣ እስራኤልን ካልኦት ሃገራትን ኣቐዲመን ንዜጋታተን ተመሳሳሊ መጠንቀቕታታት ከሕልፋ ጸኒሐን’የን።

ፈረንሳ ግና ዜጋታታ ጥንቃቐታት ክግበሩ እንተዘይኮይኑ፣ ጠቕሊሎም ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ ተጠንቕቕ ዘላ ንፈለማ እዋና’ዩ።

ፈረንሳ፣ ኣመሪካን ብሪጣንያን፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከጋጥም ንዝኽእል ጸጥታዊ ሓደጋ፣ ረብሓታተን ድሕነት ዜጋታተን ንምሕላው ዝዓለመ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ሓይሊ ኣየር፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጂቡቲ ከምዘካየዳ ይፍለጥ።

ኣመሪካ’ውን፣ በብእዋኑ ከውትጽኦ ዝጸንሐት መምርሒታት ንገያሾ፣ ብ21 ሕዳር ብምሕዳስ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዜጋታታ ብዝረኸብወን ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ ብዝቐልጠፈ ጠቕሊሎም ክወጹ ደጊማ ኣጠንቂቓ ኣላ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Russom 2 years ago

    Neo colonialism will be buried in Horn. Also included will be traitors and LQC members. Those who have been praying God to bestow on them the same blessing of destination as the tplf, ( ጸበል ተጋሩ ይልከየና አንስበሉ ኣብ መስከረም ጽለቶም ዝዝርግሑ ዝነበሩ) will leave the stage and disappear with their dream of Greater Tigray. The new Tigray will be an integral part of Modern Ethiopia in peaceful coexistence with its neighbours. Long Live Eritrea Libre. EPLF for Ever