ጂቡቲ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ብዘተ ክፍታሕ ብፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ንዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ከምእትድግፍ ኣፍሊጣ

Radio Erena: 21 November 2021

ጂቡቲ፣ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ብዘተ ንምፍትሑ ብፍሉይ ብልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር፣ ኦሉሶጉን ኦባሳንጆ ንዝካየድ ዘሎ ናይ ሽምግልና ጻዕሪ ከምእትድግፍ ገሊጻ።

ምስቲ ካብን ናብን ኣዲስ ኣበባን መቐለን እናተመላለሰ፣ ናይ ሽምግልና ጻዕርታት ዘሳልጥ ንዘሎ ኦሉሶጉን ኦባሳንጆ ዝተራኸበ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጂቡቲ፣ ማሕምዱ ዓሊ ዮሱፍ፣ ብ19 ሕዳር ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ስምምዕ ምቁራጽ ተዅሲ ክትግበርን ንኹሎም ወገናት ዘሳትፍ ፖለቲካዊ ዘተ ክጅመርን ጂቡቲ ከምእትድግፍ ኣነጺሩ።

ኦባሳንጆ፣ ካብን ናብን ኣዲስ ኣበባን መቐለን ንክልተ እዋን ብምምልላስ፣ ምስ ሰበ ስልጣን ትግራይን ፈደረላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክዘራረብ እኳ እንተኸኣለ፣ ዛጊት ምቑጻር ተዅሲ ንምትግባር ናብ ዘኽእል ስምምዕ ከብጽሖም ኣይከኣለን።

ብኣንጻር እዚ ክልቲኦም ወገናት፣ ብኣርባዕተ ግንባራት ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ መጠነ ሰፊሕ ኵናት፣ በብወገኖም ዓወታት ከምዝተጎናጸፉ ይግለጽ።

ምስ ጂቡቲ ንዘራኽበ መስመር ሚለ ንምዕጻው ንዝወፈረ ሓይልታት ትግራይ ከቢድ ክሳራታት ተሰኪሙ ከምዝተመልሰ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክገልጽ እንከሎ፣ ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፣ ብደቡብ ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ሰፊሕ ከባቢታት ዝሸፈነ መጥቃዕታት፣ ንሓያሎ ከባቢታት ብምቑጽጻሪ፣ ይግስግሱ ከምዘለዉ ይሕብሩ።

ብፍለይ ብመስመር ደሴ-ኮምፖልቻ፣ ግስጋሲኦም ብልዕሉል ናህሪ ይቕጽል ከምዘሎ ዝገልጹ ሓይልታት ትግራይ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ 220 ኪሎሜተር ንሰሜን ርሒቓ ንእትርከብ ከተማ ሸዋሮቢትን ሓያሎ ከባቢታት ሰሜን ሸዋን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ከምዘእተዉዋ ኣፍሊጦም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናብ ሰንበት 21 ሕዳር ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፣ ኣብ ከተማ መቐለ ናይ ድሮ መጥቃዕታት ከምዘካየደ፣ ወሃቢ ቃል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብትዊተር ገሊጹ።

ንሱ፣ እቲ ደብዳብ፣ ሰለማዊ ህዝቢ ንዝነብረሉ ከባቢታት ዒላማ ዝገበረ ምንባሩ ክጠቕስ እንከሎ፣ ብወገን መንግስቲ ኢትይጵያ ዝተወሃበ ምላሽ ግን የለን።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0