ፈረንሳ፣ ኣብ 1994 ኣብ ርዋንዳ ናይ ዝተፈጸመ ጃምላቂ ህልቂት፣ ንምግትኡ ስጉምቲ ብዘይምውሳዳ ሓላፍነት ተሰኪማ

Radio Erena: 30 March 2021

ፈረንሳ፣ ኣብ 1994 ኣብ ርዋንዳ ንዝይ ተፈጸመ ጃምላዊ ህልቂት፣ ንምግትኡ ዝኾነ ስጉምቲ ብዘይምውሳዳ ሓላፍነት ተሰኪማ።

እዛ ኤውሮጳዎት ሃገር ነዚ ሓለፍነት ከምእትስከም ዘፍለጠት፣ ብፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን፣ ኣብ ግንቦት 2019 ዝቖመ ኮሚሽን ምጽራይ ህልቂት ርዋንዳን ተሓታትነትን ድሕሪ ዝዘርግሖ ጸብጻብ’ዩ።

እቲ ዘይሻራዊ ኮሚሽን፣ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ህልቂት ርዋንዳ ኣንጠጥዩ ከምዘሎ ኣዳዕዲዓ እትፍለጥ ዝነበረት ፈረንሳ፣ ንምግትኡ ስጉምቲ ኣብ ክንዲ ምውሳድ፣ ኣዒንታ ዓሚታ ክትሓልፎ ብምውሳና’ዩ ተሓታቲት ጌሩዋ ዘሎ።

ፈረንሳ፣ ኣብቲ ጃምላዊ ህልቂት ኢዳ ከምዘይሓወሰትን ምስ ዝኾነ ወገን’ውን ከምዘይሸረኸትን ዝጠቐሰ እቲ ጸብጻብ፣ ክትገትኦ ዓቕሚን ክእለን እናሃለዋ፣ ከተጽቅጥ ምምራጻ ግና፣ ካብ ተሓታትነት ከድሕና ከምዘይክእል እቲ ኮሚሽን ደምዲሙ።

ኣብቲ እዋን’ቲ ብፕረዚደንት ፍራንስዋ ሚተራንድ እትምህራሕ ዝነበረ ፈረንሳ፣ ኣብ ርዋንዳ ኣሽሓት ወትሃደራት ኔሮማ’ዮም።

ይኹን’ምበር እቲ ህልቂት ኣብ ዝተወልዓሉ፣ ንምግትኡ ዝኾነ ስጉምቲ ኣይወሰዱን።

ኣብ ርእሲ’ዚ መብዛሕቶም ነቲ ህልቂት ክካየድ ዝእዝዙ ዝነበሩ ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ሓለፍትን፣ ኣብቲ ብሰራዊት ፈረንሳ ዝሕሎ ዝነበረ ውሑስ ከባቢ ከተማ ኪጋሉ’ዮም ተዓቝቦም ኔሮም።

እቲ ኮሚሽን፣ ንኣስታት 2 ዓመታት ዘካዶ መርመራን መጽናዕትን ዝሓቖፈ ጸብጻብ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ንፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ዘረከበሉ፣ ፈረንሳ ካብ 1990 ክሳብ 1994 ኣብ ርዋንዳ ዝነበራ ምትእትታው እንታይ ከምዝመስል ጽቡቕ ምስሊ ዝህብ’ዩ ክብል እቲ ፕረዚደንት ገሊጹ።

እቲ ኮሚሽን፣ ጸግዒ ከይትሕዝ ተባሂሉ፣ ብምሉኦም 15 ኣባላታ፣ ቅድሚ ሕጂ ምስ ርዋንዳ ይኹን ርዋንዳውያንን ዝኾነ ርክብን ምትእስሳርን ዘይነበሮም ክኾኑ’ዩ ተወሲኑ።

ኣብ ርዋንዳ፣ ኣብ 1994 ኣብ መንጎ ዓሌታት ሁቱን ቱትሲን ብዝተወልዐ ናይ ዓሌት ግጭት፣ መብዛሕቶም ካብ ዓሌት ቱትሲ ዝኾኑ ልዕሊ 800 ሽሕ ሰለማውያን ሰባት ከምዝሃለቑ’ዩ ዝፍለጥ።

ሓያሎ ካብዞም ኣብ ርዋንዳ ኣብ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ህልቂት ኢድ ከምዝነበሮም ዝተኸሰሱ ሰበ ስልጣን፣ ሓለፍቲ ጸጥታ፣ ኣዘዝቲ ሰራዊትን መራሕቲ ሚሊሻታትን ካድራትን፣ መንነቶም ብምቕያር ኣብ ፈረንሳ ክነብሩ ድሕሪ ምጽንሖም በብእዋኑ ተታሒዞም ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ክኢሎም’ዮም።
============

COMMENTS

WORDPRESS: 0