ኣልሸባብ፣ ሰዓብቱ ኣብ ጂቡቲ መጥቃዕቲ ከካይዱ ጸዊዑ

Radio Erena: 30 March 2021

ኣልሸባብ፣ ሰዓብቱ፣ ኣብ ጂቡቲ መጥቃዕቲ ከካይዱ፣ ሓላፊ ናይቲ ጉጅለ፣ ኣሕመድ ድርየ ጸዊዑ።

እቲ ብኣሕመድ ዑመር ኣቡ ዑበይዳ ዝፍለጥ መራሒ፣ ብ27 መጋቢት ብቪድዮ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ኣብ ጂቡቲ ኣብ ዝርከብ መደበራት ፈረንሳን ኣመሪካን ቀንዲ ዒላማ ክኸውን ከምዘለዎ ኣነጺሩ።

ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ፣ ንጂቡቲ፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንዝርከቡ ኣስላም፣ ግዳያት መጥቃዕቲ ንዝገብራ ዘለዋ ኣመሪካን ፈረንሳን ኣብ መሬቱ ምዕስካሩ ኮኒኑ።

ይኹን’ምበር እቲ፣ መራሒ ሽበራዊ ጉጅለ፣ ነቲ እስላማውያን ሃገራት፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑዲ ዓረብን፣ ካብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እናተበገሰት፣ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ምስልምና ዝኾኑ የመናውያንን ዘብጽሕኦ ዘለዋ ሞትን መቕዘፍትን ጎስዩ፣ ናብ ፈረንሳ ኣመሪካን ጥራይ ምድሃቡ፣ መልእኽቱ ፖለቲካዊ ረብሓ ደኣ’ምበር ተሓላቒ ሰዓብቲ እስልምና ከምዘይኮነ ተንተንቲ ነቒፎም።

ኣብ ጂቡቲ፣ ኣመሪካ፣ ፈረንሳን ቻይና ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ክህልወን እንከሎ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ድማ ኣብ ኤርትራን ሶማሊላንድን መደበራት ከምዘለዋ ይጥቀስ።

ቱርኪ ድማ ኣብ ሶማል ማእከል ወትሃደራዊ ስልጠና ትውንን።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0