ፈረምቲ መቐናዊ ስምምዕ፡ናይ መወዳእታ ስምምዕ ክነድፉ ወሲኖም

Radio Erena: 17 March 2023

ኣብ ሱዳን ሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምምስራት ክሰርሑ ዝጸንሑ፡ ኣብ መቓናዊ ስምምዕ ሰላም ሱዳን ዝፈረሙ ወተሃደራውን ሲቪላውን ክንፍታት፡ ናይ መወዳእታ ስምምዕ እትነድፍ ኮሚቴ ክምስርቱ ተሰማሚዖም።

ሓላፊ ልኡላዊ ቆንስል፡ ምክትሉን ካልኦት ወከልቲ ፖለቲካውን ሲቪላውን ውድባት ኣብ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ሱዳን ብረቡዕ 15 መጋቢት ተራኺቦም፡ ናብዚ ውሳነ ከምዝበጽሑ፣ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።

ኣብቲ ኣኼባ ብተወሳኺ ኣምባሳደራት ርቡዓዊ ጸጥታዊ ቤት ጽሕፈትን ወኪላት ኤውሮጳዊ ሕብረትን ከም ዝተረኽቡ እውን ተፈሊጡ።

ኣፈኛ ናይቲ ፖለቲካዊ መስርሕ ካልድ ዑመር የሱፍ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ፈረምቲ መቓን ፖለቲካዊ ስምምዕ፡ ሓደ ፖለቲካዊ ኣሰራርሓ ብምኽታል፡ ናይ መወዳእታ ሰነድ ስምምዕ ብህጹጽ ክነድፉ ተሰማሚዖም ኢሉ።

ንሱ ብተወሳኺ፡ ምስ ሓጋዚ ፓነል ብምዃን፡ ኣብ ፍትሒ፡ መሰጋገሪ ፍትሒ፡ ጸጥታውን ወተሃደራውን ምምሕያሻት ዘተኮሩ ዋዕላታት ቅድሚ ምጅማር እቲ ኣብ 23 መጋቢት ክኣቱ ትጽቢት ዝግበረሉ ጾመ ሮመዳን ከካይዱ ምስምምዖም ሓቢሩ።

ከም መደብ እቲ ጉጅለ፡ ኣብቶም ሓሙሽተ ኣካታዕቲ ዛዕባታት ዋዕላ ብምግባር ኣብ ሓባራዊ መረዳእታ ክበጽሑ ተስፋ ተነቢሩ ኣሎ። እቶም ዛዕባታት፡ምብታን ናይቲ ዝሓለፈ ስርዓት ኣልበሽር፡ ፍትሕን መሰጋገሪ ፍትሕን፡ ሰላም፡ ቅልውላው ምብራቕ ሱዳንን ዳግመ ውደባ ሰራዊትን እዮም።

እቲ ዝቐውም ኮሚቴን ስሉሳዊ ሜካኒዝምን ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ንዝተረፉ ዕማማት ዝቕይድ መቓን ግዜ ከውጽኡ ምዃኖም ሓቢሩ።

ኣፈኛ ኻልድ ዑመር ዩሱፍ ብዛዕባ እቶም ሓድሽ መንግስቲ ኣይንቕበልን ዝበሉ ኣብ ስምምዕ ዘይፈረሙ ሓይልታት ዝሃቦ ርእይቶ የለን።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ፕረዚደንትን ምክትልን ኮይኖም ንሱዳን ክመርሕዋ ዝጸንሑ ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ፡ ኣል ቡርሃንን ሑመቲን ተራኺቦም ድሕሪ ምዝታዮምን ኣብ ስምምዕ ምብጽሖምን፡ ሑመቲ ናብ ኤርትራ ኣምሪሑ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ምምኽኻሩ ይዝከር።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0