ንመገሻ ብሊንከን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዝምልከት፣ ከንቲብኣ ዝሃበቶ ርእይቶ ኣከራኻሪ ኮይኑ

Radio Erena: 17 March 2023

ኣመሓዳሪት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወ/ሮ ኣዳነች ኣበቤ፡ ብሰሉስ 14 መጋቢት ንቤት ምኽሪ እታ ከተማ ኣብ ዘቕረበቶ ናይ ምምሕዳራ ናይ ኣፈጻጽማ ስራሕ ሪፖርት፡ ብዛዕባ ጸጥታ እታ ከተማ ኣመልኪታ ዝሃበቶ መደረ ቁጥዐ ኣለዓዒሉ።

እታ ከንቲባ ነቲ ሪፖርት ኣብ ዘቕረበትሉ ግዜ፡ “ስልጣን ብሓይሊ ንምቁጽጻር ካብ ገለ ገለ ክልላት ናብ ኣዲስ ኣበባ ፍልሰት ይግበር ኣሎ” ክትብል ተዛሪባ። ንሳ ብተወሳኺ፣ ካብ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ፡ ብህዝቢ ዝተመርጸ መንግስቲ ብምእላይ ስልጣን ብሓይሊ ንምቁጽጻር ነታ ከተማ ናብ ዘይምርግጋእ ንምምራሕ ዝዓለሙ ብድሆታት ገጢሞሙና ኢላ።

ንሳ “ብፍላይ ካብ ሓደ ሓደ ክልላት ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝግበር ልዑል ፍልሰት፡ናይ ኣኽራርነት፡ ጽልኢ፡ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምግጫው ዝግበሩ ብዙሓት ምንቅስቓሳት ክፍጸሙ ኣስተውዒልና ኢና ኢላ።

ነዚ መግለጺኣ ተኸቲሉ፡ ብማሕበራዊ ሜድያ ዝግበር ክትዓት ካብ ምንሃሩ ብተወሳኺ፡ ዝተፈላለዩ ውድባት ናይታ ሃገር ተቓውሞታቶም ዘስምዕ መግለጺታት የውጽኡ ኣለዉ።

ናይ ኣምሓራ ብሄራዊ ንቅናቄ ወይ ኣብን ተባሂሉ ዝፍለጥ ፓርቲ ~ናይታ ከንቲባ ዘረባ ጸብጻብ፡ ~ብዝኾነ ይኹን መምዘኒ ተቐባልነት ዘይብሉ፡ ናይ ዓለምለኻዊ ገበን ጻውዒት`ዩ ክብል ኮኒንዎ።~ካብ ኣብን ብተወሳኺ ከም ኢዜማ፡መኢኣድ፡ ኢህኣፓ ዝተባህሉ ውድባት ነቲ መደረ ዘለዎም ብርቱዕ ተቓውሞ ኣቃሊሖም።

ካብ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ ተወለድቲ ኣምሓራ ናብታ ርእሰ ከተማ ንኸይኣትዉ ይኽልከሉ ከም ዘለዉ ዝገለጹ እዞም ውድባት፡ መደረ እታ ከንቲባ ንናዕቢ ከለዓዕል ዝኽእል`ዩ ክብሉ እዮም ተሰሚዖም።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0