ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኤርትራ እትርከበን 10 ሃገራት፣ መሰል ሃይማኖታት ብኸቢድ ይግህሳ ኣለዋ ክብል ወቒሱ

Radio Erena: 09 December 2020
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ማይክ ፖምፐዮ፣ ኤርትራ እትርከበን 10 ሃገራት፣ ብዝፍጽምኦ ዘለዋ ምግሃስ መሰል ሃይማኖታት፣ ኣብ ዘተሓሳስብ ደረጃ ከምዝርከባ ገሊጹ።

ንሱ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፣ እተን መሰል ሃይማኖታት ብምግሃስ ዝተፈልጣ ሃገራት ኢሉ ዝጠቐሰን 10 ሃገራት፣- ኤርትራ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ኢራን፣ ናይጀርያ፣ በርማ፣ ቻይና፣ ሰሜን ኮርያ፣ ፓኪስታን፣ ቱርኪሚኒስታንን ታጃኪስታንን’የን።

ኤርትር እትርከበን 9 ሃገራት፣ ንሓያሎ ዓመታት፣ ኣብዚ መዝገብ እዚ ዝጸንሓ ክኾና እንከለዋ፣ ኣብዚ ዓመት ድማ ናይጀርያ ተጸንቢራተን።

ብኣንጻሩ፣ ኣብዚ ዝርዝር ብቀጻሊ እትጥቀስ ዝነበረት ሱዳን፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ተኣልያ ኣላ።

ነዚ ዝሓለፈ 15 ዓመታት፣ መሰል ሃይማኖታት ብምግሃስ፣ ምስ ቀዳሞት እትጥቀስ ኤርትራ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ን26 ዓመታት ዝተኣስሩ፣ 28 ኣመንቲ መሰኻኽር ጂሆቫ ፈቲሓ’ያ።

ይኹን’ምበር፣ ሕጂ’ውን ኣብ ኤርትራ፣ ኣማኢት ኣመንቲ ክርስትናን ምስልምናን ብሰንኪ ዝኽተልዎ እምነትን ሃይማኖታትን ተኣሲሮም ይርከቡ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    ሙሴ 3 years ago

    ናይ ኤርትራ ጌና ዘይተመለሰ ሕቶ ኮይኑ ኣሎ ። እዚ ሒጂ ኡሱራት ፈቲሓ ዝባሃል ዘሎ  ውን  ንፖሎቲካዊ ክጥዕመሎም ኢሎም  ኢዮም ።