“ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብቲ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኣብ ዝተወሰነ ከባቢታት ዶብ እንተዘይኮይኑ ናብ ትግራይ ከምዘይኣተወ ቀ/ሚ ኣብይ ነጊሩኒ።” ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት

Radio Erena: 10 December 2020

ሰራዊት ኤርትራ፣ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኣብ ዝተወሰነ ከባቢታት ዶባ ጥራይ ከምዘሎን፣ ናብ ውሽጢ ትግራይ ከምዘይኣተወን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ከምዝነገሮ፣ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረሽ ሓቢሩ ክብል ኣገልግሎት ዜና ቻይና ሺንሁዋ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ምጽንባሩ ዘረጋግጽ መርትዖ የብልናን ዝበለ እቲ ዋና ጸሓፊ፣ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ እዚ ንቀዳማይ ሚኒስርተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ከምዝሓተተ’ዩ ገሊጹ።

እንተኾነ፣ ካብቲ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዝተወሰነ ከባቢታት እንተዘይኮይኑ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ሰራዊት ኤርትራ የለን ዝብል መልሲ ካብቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከምዝተዋህቦ’ዩ ብ09 ታሕሳስ ገሊጹ።

ሰራዊት ኤርትራ፣ ብደብዳብ ከቢድ ብረት ጥራይ ዘይኮነ፣ ብኣጋርን መካናይዝድን ተሰንዩ፣ ኣብ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ንሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምድጋፍ ይሳተፍ ምህላዉ’ዩ ዝቃላሕ ዘሎ።

ናይ ኣመሪካ ዝርከቦም ሓያሎ ዲፕሎማሰኛታት ድማ፣ ኤርትራ ኣብ ኵናት ኢትዮጵያ ትሳተፍ ምህላዋ ዘእምን መርትዖታት ከምዘሎ ይጠቕሱ።

ተሳትፎ ኤርትራ ኣብዚ ኵናት፣ ንኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ከደናግር ዝኽእል እኳ እንተኾነ፣ ብወገን ኤርትራን ኢትዮጵያን ግና፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ኵናት ኢዱ ከምዝሓወሰ ንጹር ኮይኑ’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Yemane 3 years ago

    Nay qoxri 5 kemey eu da