ግብጽን ኡጋንዳን ኣብ ጸሓያዊ ጸዓትን ካልእ ምትሕግጋዝን ስምምዕ ይኽትማ

ግብጽን ኡጋንዳን ኣብ ጸሓያዊ ጸዓትን ካልእ ምትሕግጋዝን ስምምዕ ይኽትማ

Radio Erena: 10 May 2018

al sisiግብጺ ንኡጋንዳ፣ 4 ሚገዋት ዘመንጩ ጸሓያዊ ጸዓት ንክትሃንጸላ ስምምዕ ከምዝኸተማ ማዕከናት ዜና ኡጋንዳ ሓቢረን።

እዚ ዝተሓበረ፣ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሩ ሙሰቬኒ፣ ኣብ ካይሮ ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ብ8 ግንቦት ናብ ካይሮ ድሕሪ ምእታዉ ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣል ሲሲ ተራኺቡ ኣብ ዝተዘራረበሉ ኣጋጣሚ’ዩ።

ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ብዘቕርብኦ ዘለዋ ጸብጻባት፣ መራሕቲ ኡጋንዳን ግብጽን፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ጸዓት፣ ንግድን ወፍርን ዘተኮረ ሓያሎ ስምምዓት ምኽታሞም፣ ኣብ ኣውራ’ቲ ዘራኸቦም ነጥብታት ዋሓዚ ናይልን ኣጠቓቕምኡን ኣብ ዝብል ኣጀንዳ ተዘራሪቦም’ዮም።

ግብጺ፣ ነቲ ብዋዕላ ኢንተበ ዝተሰምየ ስምምዕ ናይል ዘዋስነን ሃገራት ዳግመ ግምት ክግበረሉን ንዓኣ ብዘርብሓ መንገዲ ከምሓድሽ ክኽለስን ከምእትደሊ’ዩ ዝግለጽ።

ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ንግብጺ ሻቕሎት ፈጢሩላ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ንምህናጽ እቲ ዲጋ ንዝድግፋ ሃገራት ዞባ ናይል ኣንጻሩ ደው ክብላ ንምሕባለን ሓያሎ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ተካይድ ምህላዋ ተንተንቲ የረድኡ።

ግብጺ፣ ምስ ሱዳን፣ ኡጋንዳ፣ ደቡብ ሱዳንን ርዋንዳን ከተካይዶ ዝጸንሐት ጽዑቕ ዲፕሎማሲ፣ ትደልዮ ዕላማ ንምህራም ከምዘየኽኣላ ዝገለጹ እቶም ተንተንቲ፣ ንፕረዚደንት ኡጋንዳ ናብ ካይሮ ምዕዳማ’ውን ኣካል ናይዚ ክኸውን ከምዝኽእል ይጠቕሱ።

ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ብወገኑ፣ ናብ ኩለን’ተን ምስ ናይል ምትእስሳር ዘለወን ጎረባብቲ ሃገራት ዘካይዶ ዘሎ ዑደት ብምቕጻል ኣብ ዝመጽእ ቅንያት ናብ ካምፓላ ከምርሕ ትጽቢት ኣሎ።

======================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0