ፕረዚደንት ጅቡቲ ኣብ ኬንያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም

ፕረዚደንት ጅቡቲ ኣብ ኬንያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም

Radio Erena: 10 May 2018

guelehፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ኣብ ኬንያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።

ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ፣ ንክልተ መዓልታት ወግዓዊ ምብጻሕ ዝፈጸመ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ኬንያ ድሕሪ ምፍናዉ’ዩ ትማሊ ሮቡዕ 9 ግንቦት ናብ ከተማ ናይሮቢ ኣትዩ።

ብድሙቕ ስነ ስርዓት ዝተቐበሎ ፕረዚደንት ኬንያ፣ ኡሁሩ ኬንያታ ምስ ፕረዚደንት ገለ ኣብ ሓያሎ ጉዳያት ስምምዕ ከምዝኸተሙ ቤት ጽሕፈቱ ገሊጹ።

ብመሰረት እቲ ዝተዋህበ መግለጺ፣ ጅቡትን ኬንያን፣ ኣብ ሓባራዊ ጸጥታዊ ጉዳያት እቲ ዞባ ብፍላይ ድማ ኣብ ምግታእ ምንቕስቓስ ኣልሸባብን ካልኦት ሽበራውያን ጉጅለታትን ብሓባር ክሰርሓ ተሰማሚዐን።

ብዘይካ’ዚ እቶም መራሕቲ፣ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ዘሎ ድሩት ንግዳዊ ልውውጥ ዝዓብየሉ ተኽእሎታት ንምፍታሽ ሓያሎ ውዕላት ከቲሞም።

ናይ ዲፕሎማት ፓስፖርት ንዝሓዙ ሰበ ስልጣንን ዲፕሎማሰኛታትን ክልትኤን ሃገራት ካብን ናብን ብዘይቪዛ ክንቐሳቐሱ ዝብል ነጥቢ’ውን ኣጽዲቖም።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0