“ግብጺ ኣብ ኤርትራ ወትሃደራዊ መዓስከር ተቕውም ኣላ፣” ኢሉ ዝጸሓፈ ሱዳናዊ ጋዜጣኛ፣ ናብ ካይሮ ካብ ምእታው ተኸልኪሉ

Radio Erena: 08 May 2017

Egy Visa

ግብጺ ኣብ ኤርትራ ወትሃደራዊ መዓስከር ተቕውም ኣላ ኢሉ ዝጸሓፈ ሱዳናዊ ጋዜጣኛ፣ ናብ ካይሮ ካብ ምእታው ከምዝተኸልከለ ማዕናት ዜና ግብጺ ሓቢረን።

ብመሰረት እተን ማዕከናት ዜና ዝቕርብኦ ዘለዋ ጸብጻባት፣ እቲ ኢማም ካማል ኣል ዲን ዝተባህለ ጋዜጠኛ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ግብጺ ኣብ ዝጘሸሉ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካይሮ ብሓይልታት ጸጥታ ግብጺ ድሕሪ ምትሓዙ ብኡ ንብኡ ናብ ሃገሩ ተሰጕጉ።

ምስ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ምስሕሓብ እትርከብ ግብጺ ኣብ ኤርትራ ወትሃደራዊ መዓስከር ተቕውም ከምዘላ ማዕከና ዜና ሱዳን ትሪቡን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምግላጹ ኣይርሳዕን።

እንተኾነ መንግስቲ ግብጺ እቲ ብማዕከን ዜና ሱዳን ትሪቡን ዝቐረበ ሓበሬታ፣ ሓቕነት የብሉን ክብል ነጺግዎ።

ምስጓግ ሱዳናዊ ጋዜጠኛ ካብ ካይሮ ግና ምስዚ ዜና’ዚ ምትእስሳር ብዛዕባ ምህላዉ መንግስቲ ግብጺ ዝሓቦ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣይሃበን።

ምስኡ ብሓባር ዝገይሽ ዝነበረ ኣል ጣህር ሻቲ ዝተባህለ ካልእ ሱዳናዊ ጋዜጠኛ’ውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ካብ ማዕርፎ ነፈርቲ ካይሮ ከምዝተሰገ ዝሓበራ እተን ማዕከናት ዜና፣ እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ግብጽን ሱዳንን ክርአ ዝጸንሐ ምስሕሓብ ብዝበኣሰ ከጋድዶ ከምዝኽእል ኣሚተን።

ግብጺ ንዜጋታት ሱዳን እንተሰጕጓ፣ ሱዳን’ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ከምእትወስድ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኢብራሂም ጋንዶር ዝሓለፈ ሰሙን ምግላጹ ኣይርሳዕን።።

እቲ ሚኒስተር ነዚ ዝገለጸ፣ ግብጺ ናብታ ሃገር ንዝኣትዉ ዜጋታት ሱዳን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካይሮ ተከላብትን ንገሊኦም ከኣ ናብ ሃገሮም ትመልሶም ከምዘላ ድሕሪ ምግላጹ’ዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0