ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፣ ወዲ 39 ዓመት መንእሰይ ኢማኑኤል ማክሮን ተዓዊቱ

Radio Erena: 08 May 2017

France

ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ኣዛራቢ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፣ ወዲ 39 ዓመት መንእሰይ ኢማኑኤል ማክሮን ተዓዊቱ።

እቲ ኣብ ፖለቲካ ብዙሕ ተሞክሮ ዘይብሉን ኣብ ምሕደራ ባንክ ፊናንስ ዝነጥፍ ዝነበረ ኢማኑኤል ማክሮን፣ ኣብ ቁጠባ ፈረንሳ ሓድሽ ሜላ ክኽተል ይኽእል’ዩ ካብ ዝብል እምነት ፕረዚደንት ፈረንሳ ነበረ ፍራንስዋ ኦላንድ ኣብ 2014 ሚኒስተር ኢኮኖሚ ክኸውን ድሕሪ ምርቁሑ’ዩ ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ንፈለማ እዋኑ ክዋሳእ ተራእዩ።

እቲ ጸጋማዊ ይኹን የማናዊ መርገጺ ከምዘይሓዘ ዝገልጽ ሓድሽ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፣ ፊት ንፊት ምስኡ ንምግጣም ናብ ካልኣይ ዙርያ ምስ ዝሓለፈት፣ ሕሉፍ የማናዊ መርገጺ ንዘለዋ ፖለቲከኛ ማሪን ለፐን 65.9 ብ34.1 ናይ ህዝቢ ድምጺ ምስዓር’ዩ ፕረዚደንት ፈረንሳ ንምዃን በቒዑ ዘሎ።

ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ እስላም ሕሉፍ ጽልኢ ዘለዋ ማሪን ለ ፐን፣ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኮይና እንተተዓዊት፣ ፈረንሳ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ንኽተውጽ ረፈረንዱም ክካየድ ከምኡ ድማ ንሓባራዊ ባጤራ ኤውሮ ሓዲጋ ናብ ናይ ቀደም ባጤራ ፈረንሳ ፍራንክ ክምለስ ዝብል እማመ’ያ ኣቐሪባ ኔራ።

መስርሕ ምርጫ ፈረንሳ ኣብ ክልተ ዙርዝያ ዝካየድ ኮይኑ፣ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ካብ ዝተሳተፉ 11 ሕጹያት ተወዳደርቲ እቶም ዝልዓለ ናይ ድምጺ ምርጫ ዝረኸቡ ክልተ ተወዳደርቲ ድማ፣ ካልኣይ ዙርያ ምርጫ የካይዱ።

ኣብዚ ናይ ትማሊ 7 ግንቦት ዝተኻየደ ካልኣይ ዙርያ ምርጫ ፈረንሳ፣ ናዕብን ዕግርግርን ከይጎሃሃርን ከምኡ ድና ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከየጋጥም፣ 50 ሽሕ ፖሊስን 15 ፍሉያት ሓይልታት ጸጥታን ተዋፊሮም ኔሮም።

===================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0