ግብጺ፣ ኣብ ልዕሊ ሶማል ንዝፍጸም ዝኾነ ተጻብኦ ከምዘይትፈቅድ ገሊጻ

Radio Erena: Monday, 21 January 2024

ግብጺ፣ ንሶማልን ሃገራዊ ድሕነታን ዝጻባእ ዝኾነ ስጉምቲ ክውሰድ ከምዘይትፈቀድ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ነዚ ዝገለጸ፣ ፕረዚደንት ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ብዛዕባቲ ብወገን ኢትዮጵያ ኣጋጢምዎም ከምዘሎ ዝገልጾ ተጻብኦ ንምዝታይ፣ ናብታ ሃገር ዑደት ድሕሪ ምክያዱ፣ ክልቲኦም መራሕቲ፣ ብ21 ጥሪ፣ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዝሃብሉ ኣጋጣሚዩ።

ኣል ሲሲ ብተወሳኺ፣ ንግብጺ ይኹን ኣሓት ግብጺ ዝኾና ሃገራት፣ ኣይትፈታተኑወንዩ ክብል ኣጠንቂቑ።

ኢትዮጵያ፣ ሉኣላዊ ክፋል ሶማል ቆሪሳ፣ ኣብ ትሕቲኣ ክትጽንብሮ ግብጺ ከምዘይትድግፎ ፕረዚደንት ሲሲ ኣትሪሩ ተቓውምኡ ኣስሚዑ።

ኢትዮጵያን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን፣ ንዋንነት ባሕሪ ዝምልከት ከቲመንኦ ዘለዋ ናይ መረዳድኢ ሰነድ፣ ሉኣላውነት ሶማል ዝጥሕስ ምዃኑ እትጣብቕ ግብጺ፣ ኣብ ጎኒ ሶማል ደው ክምእትብልያ ደጋጊማ ክትገልጽ ጸኒሓ።

ብዛዕባዚ ጉዳይ እዚ ንምምይያጥ ድማዩ፣ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፣ ንፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ናብ ካይሮ ወግዓዊ ምብጻሕ ከካይድ ዝዓደሞ።

ፕረዚደንት ሓሰን፣ ጎኒ ጎኒቲ ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ዘካየዶ ርክብ፣ ኣብ ካይሮ ምስ ዝርከቡ ሓለፍቲ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ዘትዩ።

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣቐዲሙ፣ ናብ ኤርትራ ዑደት ብምክያድ፣ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ምምይያጡ ይፍለጥ።

ንርእይቶታት ግብጺ ዝነጸገት ኢትዮጵያ፣ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝተኸተመ ስምምዕ፣ ንንግዲ ዝዓለም ደኣምበር፣ ሉኣላዊ ግዝኣት ንምውሳድ ከምዘይኮነ፣ ብመንገዲ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ኣቶ ረድዋን ሑሰን ኣቢላ ሓቢራ።

ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዝተጋብአ ህጹጽ ዋዕላ መራሕቲ ኢጋድ፣ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ኢትዮጵያ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ከቲማቶ ዘላ ናይ መረዳድኢ ሰነደን ዝዝርጋሕ ዘሎ መግለጺታትን፣ ንሉኣላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማል ዝጥሕስ ሓደገኛ ስጉምቲ ምዃኑዩ ነቒፉ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0