ጂቡቲ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ፣ ኮንተነር ናይ ምጽዓንን ምርጋፍን ኣገልግሎታት ወደብ ናብ ሓደ ሚልዮን ከተዕብዮ መዲባ

Radio Erena: Tuesday 23, January 2024

ጂቡቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ 600 ሽሕ ኮንተይነራት ናይ ምርጋፍን ምጽዓንን ዓቕሚ ንዝነበሮ ኣገልግሎት ወደብ ናብ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ክብ ከተብሎ ምምዳባ ኣፍሊጣ።

እታ ሃገር ነዚ ዘፍለጠት፣ ኣብ ምጽዓንን ምርጋፍን ኮንተይነራት ዘገልግላ፡ ኣርባዕተ ዘመናውያን ሰፍሰፍቲ ወይ ክሬይን፣ ስርሐን ንምጅማር፣ ብ22 ጥሪ ኣብ ዘመረቐትሉ ኣጋጣሚዩ።

እተን ሰፍሰፍቲ ወይ ክሬይን፣ ነፍሲ ወከፍን 135 ሜትሮ ብርኸ ዘለወን ኮይኑ፣ 23 ሽሕ ቶን ክብደት ናይ ምልዓል ዓቕሚ ዝውንናን፣ ብራብዓይ ወለዶ ዝፍለጣ፣ ዘመናውያን ምዃነንዩ መንግስቲ ጂቡቲ ዝገልጽ።

ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ፣ ላዕለዎት ሰብ ስልጣን መንግስቲን መሻርኽትን፣ እተን ሰፍሰፍቲ ናብ ስራሕ ንምእታወን ኣብ ዝተኻየደ ወግዓዊ ጽምብል ምሳታፎም ብመንገዲ ትዊተር ዝሓበረ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ፣ ጂቡቲ፣ ብዓቕሚ ምጽዓንን ምርጋፍን ኮንተይነራት፣ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዝርከባ ሃገራት፣ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ክትርሳዕ ምዃና ኣሚቱ።

ጂቡቲ፣ ክራገፍን ክጸዓንን ተሚናቶ ካብ ዘላ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ኮንተይነራት፣ እቲ 50% ወይ ፍርቁ፣ ብኡ ንብኡ ናብ ካልኦት ሃገራት ዝሰጋገርዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፣ ካብን ናብን ወደብ ጂቡቲ ዘእቱ ኣውራ ድልድላት ዘለዎ መንገድታት፣ ብናይ 6ቢልዮን ዶላር ወጻኢ፣ ብዘመናዊ መልክዕ ንምህናጽ፣ ምስ መንግስቲ ጃፓን ናይ መረዳድኢ ስምምዕ ከምዝኸተመ ሚኒስተር ማሕሙድ ጠቒሱ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0