ግብጺ፣ ኢንተርነት ንምቁጽጻር ዘኽእላ ሓድሽ ሕጊ ኣጽዲቓ

ግብጺ፣ ኢንተርነት ንምቁጽጻር ዘኽእላ ሓድሽ ሕጊ ኣጽዲቓ

Radio Erena: 20 August 2018

Egypt Internet

መንግስቲ ግብጺ፣ ኢንተርነት ንምቁጽጻር ዘኽእሎ ሓድሽ ሕጊ ኣጽዲቑ።

ብመሰረት እቲ ካብ ቀዳም 18 ነሓሰ ኣትሒዙ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ዘሎ ሓድሽ ሕጊ፣ ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ሓበሬታ ዝዝርግሓ መርበባት ክዕጸዋ’የን።

ብፍላይ ምስ ሽበራ ምትሕሓዝ ኣለወን ዝተባህላ መርበባት ቀዳማት ግዳያት ናይዚ ሓድሽ ኣዋጅ ምዃነን ተሓቢሩ።

ብዘይካ’ዚ ከም ፌይስቡክ ዝኣመሰለ ማሕበራዊ ሜድያታት ጽኑዕ ምክትታልን ምቁጽጻርን ክግበረሉ’ዩ።

እታ ሃገር ካብ 2014 ንደሓር ልዕሊ 500 መርበባት ሓበሬታ ክትዓጹ እንከላ፣ በዚ ሓድሽ ኣዋጅ ከኣ ተወሰኽቲ ኣማኢት ክትዓጹ ከምእትኽእል ይግለጽ ኣሎ።

እዚ ሓድሽ ኣዋጅ፣ መንግስቲ ግብጺ፣ ብስም ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን፣ ነቲ ድሮ እናተዳኸመ ክመጽዝእ ዝጸንሕ ናጽነት ፕረስ እታ ሃገር ብዝበኣሰ ክዕፍኖ ይሰርሕ ምህላዉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይወቕሱ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0