ኤርትራ፣ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ሰለስተ መራሕቲ ሃገራት ኣእንጊዳ

ኤርትራ፣ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ሰለስተ መራሕቲ ሃገራት ኣእንጊዳ

Radio Erena: 20 August 2018

Ethio Somali South Sudan

ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት፣ ዝኾነ መራሒ ሃገር ከየእንገደት ዝጸንሐት ኤርትራ፣ ምስ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝበጽሐቶ ስምምዕ ሰላም፣ ኣብዘን ክልተ ኣዋርሕ ጥራይ ሰለስተ መራሕቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣእንጊዳ።

ናይ መወዳእታ ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ መራሒ ሃገራት፣ ኣሚር ቀጠር ኮይኑ ኣብ ታሕሳስ 2015 ምንባሩ ይዝከር።

ካብቲ እዋን ኣትሒዝ ክሳብ ሓምለ 2018 ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ ዝኾነ መራሒ ሃገር ኣይነበረን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ ፈላሚ መራሒ ሃገር ድሕሪ ምዃኑ፣ ንዕኡ ተኸቲሎም መርሕቲ ሶማልን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ኤርትራ ክበጽሑ ክኢሎም።

ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ስምምዕ ሰላም ካብ እትኽትም ኣብዘን ክልተ ኣዋርሕ፣ ሰለስተ መራሕቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ናብ ኣስመራ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከካይዱ በቂዖም ኣለዉ።

እዚ ድማ ንቡር ዲፕሎማሲ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ዝሓሸ ጎደና ይምለስ ከምዘሎ ዝእንፍት’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብሰንኪ ዝጸንሖ ፖሊሲ፣ ግዳይ ዞባውን ኣህጉራውን ተነጽሎታት ኮይኑ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ዑደት ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ዓመታት፣ ናብ ግብጺ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑዲ ዓረብ ጥራይ’ዩ ተሓጺሩ ጸኒሑ።

ኣብዚ ሰለስተ ዓመታት ናብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዑደት ከየካይደ ዝጸንሐ እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ምብጻሕ ፈለሚ’ዩ።

ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ካብ ዞባዊ ተነጽሎ ንኽትወጽእ፣ ገና ምስ ሱዳንን ጅቡቲን ሻሕኪሩ ዘሎ ዝምድንኣ ከተመሓይሽ የድልያ።

====================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0