ጊሰን፣ ፌስቲቫል ደገፍቲ ህግደፍ ብጽኑዕ ሓለዋ ክካየድ ቤት ፍርዲ እታ ከተማ ወሲኑ

Radio Erena: Thursday, 07 July 2023

ደገፍቲ ህግደፍ፣ ኣብ ጀርመን፣ ከተማ ጊሰን፣ ን8 – 9ን ሓምለ ዝወደብዎ ፌስቲቫል፣ ብጽኑዕ ሓለዋ ክካየድ ቤት ፍርዲ እታ ከተማ፣ ብ05 ሓምለ ወሲኑ።

ምምሕዳር ከተማ ጊሰን ኣቐዲሙ፣ ብሰንኪ ስግኣት ጸጥታ ከይካየድ ሰሪዝዎ እኳ እንተነበረ፣ ወድብቲ እቲ ፌስቲቫል፣ ናብ ቤት ፍርዲ ብዘቕረብዎ ናይ ይግባይ ጥርዓን’ዩ ኣብ ዝተመደበሉ ዕለት ክካየድ ተፈቒድሎም።

ምምሕዳር ከተማ ጊሰንን፣ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢን፣ በብወገኖም፣ እቲ ፌስቲቫል ከይካየድ፣ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ናይ ይግባይ ጥርዓን ኣቐሪቦም ኣለዉ።

ፖሊስ ጊሰን ብወገኑ፣ እቲ ፌስቲቫል ይካየድ ኣይካየድ ብዘየገደስ፣ ካብ ሎሚ ሓሙስ 06 ክሳብ ሰንበት 09 ሓምለ፣ ኣብታ ከተማ ከም ካራሩን ኣባትርን ዝኣመሰለ ንባእሲን ዕግርግርን ዘገልግል ነገራት ምሓዝ ከልኪሉ ኣሎ።

ብፍላይ ኤርትራውያን ብብዝሒ ክተኣኻኸብሉ ይኽእሉ’ዮም ኣብ ዝበሎ፣ ከም መናሃርያ ባቡራትን መዓርፎ ኣውቶቡሳትን ዝኣመሰለ ከባቢታት፣ ንባእሲን ዕግርግርን ዘገልግል ነገራት ምትሓዝ ክልኩል ምዃኑ ዘርኢ ምልክታት ክልጠፍ ምዃኑ’ዩ ፖሊስ ሓቢሩ።

ባእስን ዕግርግርን ኤርትራውያን ንምውጋድን ጸጥታ ህዝቢ ከተማ ጊሰን ንምውሓስን፣ ኩሉ ምድላዋቱ ኣጻፊፉ ከምዘሎ ዝሓበረ ፖሊስ፣ ወጺኡ ንዘሎ መምርሒታት ዝጠሓሰ ውልቀሰብ ክሳብ 10 ሽሕ ኤውሮ መቕጻዕቲ ክብየነሉ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0