ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ፣ ኣዛዚ ፖሊስን ምክትሉን ብዕጡቓት ተቐቲሎም

Radio Erena: Thursday, 06 July 2023

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ፣ ዞባ ምዕራብ ጎጃም፣ ሓደ ኣዛዚ ፖሊስ ምስ ምክትሉ ብዕጡቓት ከምዝተቐትሉ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ኣዛዚ ፖሊስ ከባቢ ደጀን፣ ኢንስፔክተር ዘውዱ ታደለን፣ ምክትሉ፣ ኢንስፔክተር ወርቑ ሽመልስን፣ ብሰኑይ 03 ሓምለ፣ መንነቶም ዛጊት ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ከምዝተቐንጸሉ ዘረጋገጸ፣ ክፍሊ ጸጥታ ናይቲ ክልል፣ ኣብ ምጽራዩ ከምዝርከብ ገሊጹ።

ነቶም ኣዘዝቲ ፖሊስ ንምቕታል ኣብ ዝተኻየደ ስርሒት፣ መራሕ መኪናኦም ዝርከቦም ክልተ ሰባት ‘ውን ቆሲሎም ምህላዎም’ዩ ተመልኪቱ።

ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ዕጡቕ ይህደን ምህላዉ፣ እቲ ክፍሊ እኳ እንተሓበረ፣ ዕላማ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ኣዘዝቲ ፖሊስ ዝፈጸሞ ቅትለት ግና ኣይጠቐሰን።

ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ዕጡቓትን ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲን ንልዕሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ወጥሪ ተኸስቱ ምህላዉ ይፍለጥ።

ቅትለት ኣዘዝቲ ፖሊስ ዝተሓበረ’ውን፣ ነቲ በብእዋኑ ናብ ዝኽሰት ጎነጽን ቅንጸላ ሰበ ስልጣን መንግስትን ኣምሪሒ ዘሎ ወጥሪ ንምህድኡ ዝዓለም ዘተ ሓይልታት ጸጥታ ፈደራልን ክልል ኣምሓራ፣ ኣብ ባህርዳር ኣብ ዝተኻየደሉ ዕለት ምዃኑ ዘ ሪፖርተር ኣስሚርሉ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0