ጉጅለ ባህሊ ህግደፍ ኣብ ኖርወይ ከተማ ስታቫንገር ምርኢት ከይተቕርብ ተኸልኪላ

ጉጅለ ባህሊ ህግደፍ ኣብ ኖርወይ ከተማ ስታቫንገር ምርኢት ከይተቕርብ ተኸልኪላ

Radio Erena: 08 December 2014

Bideho Tour

ብድሆ ብዝብል መሪሕ ጭርሖ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ኤውሮጳ ካብ መፋርቕ ወርሒ ሕዳር ጀሚራ ዑደት ተካይድ ዘላ ጉጅለ ባህሊ ህግደፍ ብዓርቢ ሓሙሽተ ታሕሳስ ኣብ ከተማ ስታቫንገር ነርወይ ከተቕርቦ ዝሓሰበት ምርኢታ ብሃንደበት ተሰሪዙ።

እዛ ንኣስታት ሹዱሽተ ስነ ጥበበኛታት ሙዚቃን ኮሜድያንን ሓቑፋ ዑደት ተካይድ ዘላ ጉጅለ ባህሊ ትማሊ ኣብ ስታቫንገር ኣብ ዝርከብ ሆቴል ፓርክ ኢን ምርኢት ንምቕራብ ኣብ ምሽብሻብ እኳ እንብተነበረተ፣ ኣብ ኤርትራ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ክመጽእ ጻዕሪ ዘካይዱ ዘለዉ ኤርትራውያን ምስ ኣካየድቲ እቲ ሆቴል ብዝገበርዎ ምርድዳእ ግና እቲ ምርኢት ክስረዝ ከም ዝኸኣለ ጋዜጣ ስታቫንገር ኣፍቶንብላደት ኣብ ናይ 5 ታሕሳስ ሕታማ ሓቢራ።

 

ሽሕ እኳ እዛ ጉጅለ ካብዚ ቀዳማይ ቦታ ምርኢት እንተ ተሰጎት፣ ኣወሃሃድቲ ናይቲ መደብ ተቐላጢፎም ናብቲ ኣስታት 15 ኪሎ ሜተር ካብ ስታቫንገር ርሒቑ ዝርከብ ብኳሊቲ ረሲደንስ ዝፍለጥ ሆቴል ብምግዓዝን ዋጋ ብምጉዳልን ምርኢቶም ከቕርቡ ዝወሰንዎ ሕእሳብ’ውን ብተመሳሳሊ ምኽንያት ክሰምር ኣይከኣለን።

እታ ጉጅለ ባህሊ ህግደፍ ንጽብሒቱ ኣብ ከተማ ኦስሎ ዘቕረበቶ ምርኢት ግና ብዘይዝኾነ ጸገም ከም ዝተሰላሰ ካብቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ባህላዊ ዑደት ብድሆ ቀንዲ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ብዝኾኑ መብዛሕቶም ኣብ ስደት ዝተወልዱ ብስም መንእሰያት ህግደፍ ዝፍለጡ ኤርትራውያን ዝኣባላቱ ዝተወደበ ክኸውን ከሎ፡ ንመበል ሻብዓይ ግዜ እዩ ዝካየድ ዘሎ ።

መንግስቲ ኤርትራ ካብ ዑደት ብድሆ ዘይንዓቕ ቁጠባውን ፖለቲካውን መኽሰብ ከም ዝረክብ’ዩ ዝንገረሉ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ ሃማማትኤ ንላዕሊ መንእሰያት ህግደፍ ዝልዓለ ቆላሕታ መንግስቲ ኤርትራ ከምዘለዎ ዝፍለጥ’ዩ።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0