ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ ሃና ስምኦን፣ ንመደበር ቴሌቪዥን ‘ኣርተ’ ዝነቅፍ ወግዓዊ ደብዳቤ ልኢኻ

ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ ሃና ስምኦን፣ ንመደበር ቴሌቪዥን ‘ኣርተ’ ዝነቅፍ ወግዓዊ ደብዳቤ ልኢኻ

Radio Erena: 08 December 2014

Amba

ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ ሃና ስምኦን፣ ኣርተ ንዝተባህለ መደበር ቴሌቪዥን ብዛዕባ ስቓይ ኤርትራውያን ኣብ ሲናይ ዘርኢ ደኩመንታሪ ብምቕራቡ ወግዓዊ ናይ ነቐፌታ ደብዳቤ ልኢኻ።

እታ ኣምባሳደር ኣብቲ ብ14 ጥቅምቲ 2014 ናብ ሓላፊት ናይታ መደበር ቴሌቪዥን ቬሮኒክ ካይላ ኣብ ዝልኣኸቶ ናይ ነቀፌታ ደብዳቤ ብካረን ሻዮን ሜሮን እስቲፋኖስ ዝተዳለወት ድምጺ ስቅያት (Sound of Torture) ዘርእስታ ደኩምንታሪ ፊልም ብ17 መስከረም ምቕራቡ ብምጥቃስ፣ እታ ደኩመንታሪ ፊልም ንህሉው ኩነታት ኤርትራን ኤርትራውያንን ዘይትውክል’ያ ክትብል ነጺጋቶ።

 

ኣብታ ደኩመንታሪ ፊልም ካብ ዝቀረቡ ግዳያት ሲናይ ዝነበሩ ኤርትራውያን ኣብ ዝሃብዎ ምስክርነት፣ ዋላ’ውን ካብ ሲናይ ክወጹ እንተኽኣሉ ናብ ዓዶም እንተተመሊሶም ግና ማእሰርትን ካልእ መቕጻዕትን ከምዝጽበዮም ንዝሃብዎ ሓበሬታ’ውን ኣምባሳደር ሃና ኣብ ደብዳቤኣ ሓቅነት ከምዘይብሉ ብምሕባር፣ ናብ ኤርትራ እንተተመሊሶም መንግስቲ ኤርትራ ጽቡቕ ኣቀባብላ ከምዝገብረሎም ኣረዲኣ።

ብዛዕባ መንግስቲ ኤርትራ ምልካዊ ስርዓት’ዩ ንዝብል መደምደምታ’ውን ተቓውሞኣ ዝገለጸት እታ ኣምባሳደር፣ ኤርትራ ኣብ ናይ ኣይ ሰላም ኣይኵናት ሃዋሁ ምህላዋ ብምምልካት፣ እቲ ዘለዎ ወትሃደራዊ ኩነታት’ውን ልኡላውነታ ንምቕቃብ ትገብሮ ዘላ ጻዕሪ’ዩ ክትብል ሓቢራ።

ሬድዮ ኤረና ነቲ ኣምባሳደር ሃና ስምኦን ናብ ሓላፊት መደበር ቴሌቪዥን ‘ኣርተ’ ብሓደራ ዝልኣኸቶ ደብዳቤ ድሕሪ ናይ ሓደ ወርሒ ግዜ’ያ ክትረኽቦ ክኢላ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ እታ ብቋንቋታት ፈረንሳን ጀርመንን እትፍኖ ሓንቲ ካብ ዓበይቲ መደበራት ቴሌቪዥን ኤውሮጳ ዝኾነት ኣርተ ዝቀረበት ድምጺ ስቕያት ዘርእስታ ደኩመንታሪ ፊልም፣ ንጽባሕ ሰሉስ 9 ታሕሳስ’ውን ኣብ ፓሪስ ንምርኢት ክትቀርብ’ያ።

ኣብቲ ናይ ምርኢት ኣጋጣሚ’ውን ሓያሎ ፖለቲከኛታት፣ ጋዜጠኛታትን ካልኦት ዕዱማትን ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ዋሕዚ ስደትን ዘተኮረ ዘተ ከካይዱ ምዃኖም ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።

ኣምባሳደር ሃና፣ ባርባራዊ ጉዕዞ ኣብ ሲናይ ዘርእስታ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝቐረበት ተመሳሳሊት ደኩመንታሪ ፊልም’ውን ብኣካል ተረኺባ ምስዚ ደብዳቤ ዝመሳሰል መግለጺ ክትህብ ብምፍታና ካብ ተዓዘብቲ ተቓውሞ ከምዝገጠማ ብሬድዮ ኤረና ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ደኩመንታሪ ፊልም ባርባራዊ ጉዕዞ ብዘይካ’ቲ ብባይቶ ፈረንሳ ኣብ እትውነን ቴልኢኤቪዥን ፕኡኡኡብሊክ ሰና ምቕራባ፣ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ሃገራዊ ምሕደራ’ውን ንምርኢት ቀሪባ ዘተ ተኻይዱላ’ዩ።

ኣብቲ ዘተ ኣባላት ባይቶ ፈረንሳ፣ ጋዜጠኛታት ተማሃሮ ሕጊ፣ ፖለቲካን ምሕደራ ሃገረን ካልኦት ዕዱማትን ተረኺቦም ኔሮም።

ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ሓደ ካብ ዓበይቲ ዛዕባታት ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ኮይንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ክፍሊ ሓተቲ ዑቕባ ፈረንሳን ካልኦት ዝምልከቶም ፖለቲከኛታትን ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራ መጽናዕቲ የካይዱ ምህላዎም ሬድዮ ኤረና ከተረጋግጽ ክኢላ ኣላ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0