ጅቡቲ ንኢትዮጵያ እትህቦ ናይ ወደብ ኣገልግሎት ተወሳኺ ክፍሊት ትሓትት

ጅቡቲ ንኢትዮጵያ እትህቦ ናይ ወደብ ኣገልግሎት ተወሳኺ ክፍሊት ትሓትት

Radio Erena: 15 December 2015

Dji port

መንግስቲ ጅቡቲ ካብ መፋርቕ ጥሪ 2016 ግብራዊ ዝኸውን ሓድሽ ናይ ኣገልግሎት ክፍሊት ኣታኣታትዩ ከምዘሎ ዝጠቐሰ ጸብጻብ ዘ ሪፖርተር፣ እቲ ተወሳኺ ክፍሊት ንሓደ ኮንተይነር ንምፍታሽ ካብ 10 ክሳብ 35 ዶላር ምዃኑ ሓቢሩ።

እታ ሃገር ተወሳኺ ክፍሊት ትሓትት ዘላ፣ ኣብ ኣገልግሎት ወደብ ዘመናዊ ናይ መፈተሺ መሳርሒ ከምዘተኣታተወት ብምሕባር’ያ።

እንተኾነ እቲ ጅቡቲ ካብ ኢትዮጵያ እትሓቶ ዘላ ተወሳኺ ክፍሊት ነቲ ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ኣቑሑ ጥራይ ድዩ ወይስ ንሰድድ ዝልኣኽ’ውን ይምልከቶ’ዩ ብንጹር ኣይተገልጸን።

 

ሰበ ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን በዓል መዚ ማሪታይምን ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ’ዚ ተወሳኺ ክፍሊት ዝምልከት ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ መንግስቲ ጅቡቲ መልእኽቲ ከምዝበጽሖም ንጋዜጣ ሪፖርተር ኣረጋጊጾም ኣለዉ።

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ብወደብ ጅቡቲ፣ ካብ ወጻኢ ንእተእትዎ ይኹንን ናብ ወጻኢ እትእልኮ ኣብ ኣሽሓት ኮንተይነራት ዝተዓሸገ ኣቑሑ፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝጸንሐ ናይ ኣገልግሎት ክፍሊት፣ ተወሳኺ ካብ 10 ክሳብ 35 ዶላር ንመፈተሺ ክትከፍል ምግዳዳ፣ ኣብ ቁጠባኣ ጸቕጢ ከምዝፈጥር ይግለጽ።

ልዕሊ 80 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ 1998 ምስ ኤርትራ ዘካየደቶ ኵናት፣ ናይ ወደብ ኣገልግሎታ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ጅቡቲ’ዩ ወዲቑ።

ኢትዮጵያ፣ ካብ ወጻኢ እተእትዎን ናብ ወጻኢ ካብ እትልእኮን ኣቑሑ እቲ 85 ሚእታዊት ብወደብ ጅቡቲ’ዩ ዝሳለጥ።

እንተኾነ ጅቡቲ፣ ኣብ ርእስቲ’ቲ ንኣመሪካ፣ ፈረንሳን ካልኦት ሃገራትን እትህቦ ወትሃደራዊ ኣገልግሎታት፣ ንኢትዮጵያ’ውን ምሉእ ብምሉእ ከተዕግብ ብዘይምኽኣላ፣ ኢትዮጵያ ወደባት ኬንያ፣ ሶማልን ሱዳንን እትጥቐመሉ ኣማራጺታት ኣብ ምንዳይ’ያ ትርከብ።

==============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0