ኣብ ቴልኣቪቭ፣ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ዝነብርሉ ህንጻ ብዘጋጠመ ባርዕ ሰለስተ ኤርትራውያን ቆሲሎም

ኣብ ቴልኣቪቭ፣ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ዝነብርሉ ህንጻ ብዘጋጠመ ባርዕ ሰለስተ ኤርትራውያን ቆሲሎም

Radio Erena: 15 December 2015

Israel fire

ኣብ እስራኤል፣ ከተማ ቴልኣቪቭ ከባቢ ለቪንስኪ ፓርክ፣ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ዝነብርሉ ህንጻ ብዘጋጠመ ባርዕ፣ ሓደ ህጻን ዝርከቦም ሰለስተ ኤርትራውያን ቆሲሎም።

ጠንቒ’ቲ ብቀዳም 12 ታሕሳስ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ዘጋጠመ ባርዕ ዛጊት ኣይተነጸረን።

ይኩን’ምበር፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራን ሱዳን ዝኾኑ ሓተቲ ዑቕባ ዝነብርሉ ህንጻታት ዝኣረገን ንሓደጋ ዝተቓልዐን ምስ ምዃኑ፣ ጠንቒ እቲ ባርዕ ላሕኵ ጋዝ ወይ ኤሌክትሪክ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት። 

ኣብቲ ኣብ ጎደና ዩድ ላሜድ ፔረስ ዝርከብ፣ ብብዝሒ ሱዳናውያን ዝነብርሉ ዝኣረገ ህንጻ ዘጋጠመ ባርዕ ኣርባዕተ ሱዳናውያን’ውን ጉድኣት በጺሕዎም ኣሎ።

 

እቶም ፈኵስን ቀሊልን ጉድኣት በጺሕዎም ዘሎ ሸውዓተ ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ኣብ ሆስፒታል ተዓቝቦም ከምዘለው ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብ ቴልኣቪቭ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ውን ኣብ እስራኤል ከተማ ቴልኣቪቭ፣ ከባቢ ሸኾናታቲክቫ ኤርትራውያን ኣብ ዝነብርዎ ህንጻ ብዘጋጠመ ተመሳሳሊ ባርዕ፣ ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከምዘውረደ ኣይርሳዕን።

በቲ ባርዕ፣ ሓደ ኤርትራዊ መንእሰይ ብኸቢድ ክቆስል እንከሎ፣ ካልእ ከኣ መጠናዊ ጉድኣት ወሪድዎ።
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0