ጅቡቲ ብዘይካ ምስ ኤርትራ ምስኩለን ጎረባብታ ጽቡቕ ዝምድና ከምዘለዋ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ገሊጹ

ጅቡቲ ብዘይካ ምስ ኤርትራ ምስኩለን ጎረባብታ ጽቡቕ ዝምድና ከምዘለዋ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ገሊጹ

Radio Erena: 15 December 2014

DJFM

ጅቡቲ ብዘይካ ምስ ኤርትራ ምስ ኩለን ጎረባብታ ጽቡቕ ዝምድና ከምዘለዋ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ ገሊጹ።

እቲ ሚኒስተር ምስ ኣገልግሎት ዜና ቱርኪ ኣናዶሉ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ ዝምድና ጅቡትን ኤርትራን ብሰንኪ ራስ ዱሜራ ካብ 1996 ኣትሒዙ ከምዝሓርፈፈ ብምግላግ፣ ኣብቲ እዋን’ቲ ክልትኤን ሃገራት ናብ ኵናት ኣመሪሐን ከምዝነበራ ኣረዲኡ።

ኣብ 1999 ከኣ መንግስቲ ጅቡቲ ጸግዒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሒዙ ዝብል ወቐሳ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝዝነበረ ዝጠቐሰ እቲ ሚኒስተር፣ ብሰንኩ ከኣ ጅቡቲ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ኣምባሳደራ ብምስሓብምስ ኤርትራ ዝነበራ ዝምድንኣ ምሉእ ብምሉእ ከምዝበተኸት ሓቢሩ።

 

ዝምድና ኤርትራን ጅቡትን ኣብ 2001 ዳግም ክመሓየሽ ተራእዩ እኳ እንተነበረ፣ ኣብ 2008 ኣብ ራስ ዱሜራ ብዝተኻየደ ኵናት፣ ምትፍንናን ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ጥርዙ በጺሑ ይርከብ።

ካብ ክልቲኤን ሃገራት ሓያሎ ወትህደራት ዝቐተለን ዘቑሰለን ኵናት ኤርትሮ ጅቡቲ ብመንጞኝነት ቀጠር ንምፍትሑ ኣብ 2010 ተበግሶ እኳ እንተተወስደ፣ መንግስቲ ኤርትራ ሃለዋት ምሩዃት ኵናት ጅቡቲ ምሕባር ስለዝሓንገደ ክዕወት ከምዘይክኣለ’ውን ሚኒስተር ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ ኣገንዚቡ።

መንግስቲ ጅቡቲ ዝሓዞም ምሩዃት ኵናት ኤርትራ ንማሕበረሰብ ዓል ከፍልጥ እንከሎ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዛዕባ ሃለዋት ምሩዃት ኵናት ጅቡቲ ብዝምልከት ዛጊት ዝኾነ ሓበሬታ’ውን ኣይሃበን።

ቀጠር ሃለዋት ምሩዃት ኵናት ጅቡቲ ኣብ ምጥያቕ ከምዘላ ዘረጋገጸ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጅቡቲ፣ መንግስቲ ኤርትራ ከረክቦም ይጽበዩ ምህላዎም’ውን ጠቒሱ።

እቲ ሚኒስተር ብዘይካ’ዚ፣ መንግስቲ ኤርትራ ናብቲ ኣብ ጅቡቲ ዝመደበሩ ኢጋድ ክምለስ ድሌት ጅቡቲ ምዃኑ ብምሕባር፣ መንግስቲ ኤርትራ ግና ንሰላም ቅሩብ ከምዘይኮነ ወቒሱ።

=============================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0