ድሌት ክልቲኡ ህዝብታት እንተኾይኑ፣ ኢትዮጵያን ጅቡትን ክሓብራ ይኽእላ’የን ክብል ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ጉለ ኣፍሊጡ

ድሌት ክልቲኡ ህዝብታት እንተኾይኑ፣ ኢትዮጵያን ጅቡትን ክሓብራ ይኽእላ’የን ክብል ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ጉለ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 15 December 2014

Guelle

ኣብ ንግድን ኣገልግሎት ወደብን ዝተመርኮሰ ዝምድና ጅቡትን ኢትዮጵያን ኣብ ዝልዓለ ጥርዙ በጺሕሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ድሌት ክልቲኡ ህዝብታት እንተኾይኑ ኢትዮጵያን ጅቡትን ክሓብራ ይክእላ’የን ክብል ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ጉለ ከምዝገለጸ ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ሓቢራ።

መንግስቲ ጅቡቲ ብዝገበረሎም ዕድመ መሰረት ሓያሎ ጋዜጠኛታት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ጅቡቲ ዝካየድ ዘሎ ናብ ኢትዮጵያ ዝቐንዐ ልምዓታዊ መደባት ድሕሪ ምዕዛብ’ዮም ምስ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ጉለ ክዘራረቡ ዝኸኣሉ።

 

ብዘይካ’ቲ ካብ ወደብ ጅቡቲ ተበጊሱ ናብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝዝርጋሕ መስመር መንገዲ ባቡር፣ ጅቡቲ ንኢትዮጵያ ዝዓለም ወደብ ታጁራ ኣብ ምህናጽን ንዝነበረ ኣገልግሎት ወደብ ከኣ ኣብ ምስፋሕን ተጸሚዳ ምህላዋ ብተደጋጋሚ እዋን ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ገዚፍ ናይ ልምዓት መደባት ተጸሚዳ ከምዘላ እትጥቐስ ኢትዮጵያ፣ ንወደብ ዓሰብ ከም ኣውራ ወደብ ትጥቐመሉ ምንባራ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ድሕሪ’ቲ ናይ 1998 ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያ ግና፣ ኢትዮጵያ ምሉእ ናይ ወደብ ኣገልግሎታ ካብ ጅቡቲ’ያ ትረኽቦ ዘላ።

ጅቡቲ ልዕሊ ፍርቂ ሚእታዊ ናይ ሓፈሻዊ ዓመታዊ እቶታ ካብ ኣገልግሎት ወደብ ከምእትረኽቦ ይግለጽ።

================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0