ጅቡቲን ኬንያን፣ ብኣባልነት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ይሰሓሓባ

Radio Erena: 27 August 2019
ጅቡቲን ኬንያን፣ ኣብ ዝመጽእ ዓመት፣ ዘይቀዋሚ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንምዃን፣ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ቁርቁስ ተጸሚደን ከምዘለዋ ተሓቢሩ።

ክልቲኤን ሃገራት ኣብቲ፣ 2021 ክሳብ 2022 ዝጸንሕ ናይ ሓደ ዓመት ኣባልነት ባይቶ ጸጥታ ንምውድዳር፣ በብወገነን ጎስጓስ ድሕሪ ምጅማረን፣ ሓንቲኤን ንኣፍሪቃ ወኪላ ክትሳተፍ ሓድ-ሕደን ኣብ ምርድዳእ ክበጽሓ’ዩ ብሕብረት ኣፍሪቃ ምኽሪ ክወሃበን ጸኒሑ።

ነዚ ኣብ ምርድዳእ ከብጽሐን ካብ ዝብል ሓሳብ ድማ ኣባላት ሕብረት ኣፍሪቃ ንሓዲኤን ዝድግፍ ድምጺ ክህባ፣ ብ21 ነሓሰ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዝወደቦ መስርሕ፣ ኬንያ ናይ 37 ሃገራት ደገፍ ክትርከብ እንከላ፣ ንጅቡቲ ዝደገፋ ግና 13 ጥራይ’የን።

ጅቡቲ፣ ድሕሪ’ቲ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ምርጫ’ውን እንተኾነ፣ እቲ ዕድል ንኬንያ ኣሕሊፋ ከምዘይትብ ብምጥቃስ፣ ነቲ ጎስጓስ ብቀጥታ ናብ ኣባላት ሕቡራት ሃገራት ከምዝበጽሕ ክትግበሮ ምዃና ኣፍሊጣ።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝርከባ ኬንያን ጅቡቲን፣ ኣባል ሃገራት ኢጋድ’ውን ምዃነን ይፍለጥ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ንኣፍሪቃ ብምውካል፣ ዘይቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዘለዋ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኣይቮሪኮስትን ኢኳቶርያን ጊኒን’የን።

ኣይቮሪኮስትን ኢኳቶርያል ጊኒን ኣባልነተን ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ከብቅዕ’ዩ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሓሙሽተ ቀወምቲን 10 ድማ ተለዋጥቲን ኣባላት ሃገራት ዝሓቖፈ’ዩ።

ኤርትራ እትርከበን ልዕሊ 60 ሃገራት ዓለምና፣ ዘይቀዋሚ ኣባልነት ባይቶ ጸጥታ ክረኽባ ዕድል ዘይረኸባ ሃገራት’የን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0