ጂቡቲ፣ ተወላዶ ትግራይ ዝኾኑ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ኢትዮጵያ ምምላሳ UNHCR ኮኒኑ

Radio Erena: 11 June 2021

መንግስቲ ጂቡቲ፣ ተወላዶ ትግራይ ዝኾኑ ሰለስተ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ኢትዮጵያ ምምላሱ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኮኒኑ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ዝኾነ መንግስቲ፣ ዑቕባ ንዝሓተቱ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ብግዴታ ክመልስን ናብ ማእሰርትን ካልእ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከቓልዕን ከምዘይግባኣ ኣዘኻኺሩ።

ዞባዊ ዳይረክተር UNHCR ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃን ዓበይቲ ቀላያትን፣ ክሎመንቲን ንክዌታ ሳላሚ ብወገና፣ መንግስቲ ጂቡቲ ዝኸተሞ ኣህጉራዊ ውዕላት ከኽብር ጸዊዓ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ‘ክህደኑ ዝጸንሑ ኣባላት ህወሓት’ዮም’ ዝበሎም ሰለስተ ተወላዶ ትግራይ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ጂቡቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተመልሱ ምግላጹ ይዝከር።

መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ዑቕባ ንምሕታት ናብታ ሃገር ንዝእተወ ኣብራሪ ነፋሪት ሓይሉ ኣየር ጂቡቲ፣ ናብ መንግስቲ ጂብቲ ከምዘረከቦ ኣይርሳዕን።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0