ፕረዚደንት ሶማል፣ ወትሃደራት ናብ ኤርትራን ትግራይን ከምዝልኣኸ ወግዓዊ መብርሂ ክህብ ይሕተት ኣሎ

Radio Erena: 11 June 2021

ፕረዚደንት ሶማል፣ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ፋርማጆ፣ ወትሃደራር ሶማል፣ ናብ ኤርትራን ኵናት ትግራይን ከምዝልኣኽ ንህዝቢ ወግዓዊ መብርሂ ክህብ መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት ይሓቱ ኣለዉ።

እቶም መራሕቲ ዝተፈላለያ ውድባትን ሰልፍታትን ሶማል ነዚ ሕቶ ዘቕርቡ ዘለዉ፣ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ወትሃደራት ሶማል ኣብ ኵናት ትግራይ ከምዝተሳተፉ ድሕሪ ምርግጋጹ’ዩ።

መራሕቲ ዋጃር ናይ ዝተባህለ ሰልፊ፣ ዓብዱራሕማን ዓብዱሰላም ዋርሳመ፣ ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ሰራዊት ሶማል ናብ ኤርትራን ኵናት ትግራይን ምልኣኹ ሕጋዊ ኣይኮነን ድሕሪ ምባል፣ ቀዳማይ ሚኒስተር መሓመድ ሑሰን ሮብለ ድማ ብውሕዱ ንስድራቤታት ናይቶም ወትሃደራት መብርሂ ክህብ ክምዝግባእ ምውቓሱ መርበብ ሓበሬታ ጋሮወ ጠቒሱ።

ሓላፍቲ ስለያን ሃገራዊ ድሕነትን ሶማል ዝነበሩ ዓብዱላሂ ዓሊን ፋሃድ ያሲንን ብወገኖም፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ስቕታ መሪጹ ዘሎ ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ሃለዋት ናይቶም ወትሃደራት ብዝምልከት መርብርሂ ክህብ ጸቕጢ ይገብሩ ኣለዉ።

እቶም ሶማላውያን መንእሰያት፣ ናብ ቀጠር ናይ ስራሕ ዕድል ኣሎ ብዝብል ጻውዒት’ዮም ተመዝጊቦም ናብ ኤርትራ ናብ ወትሃደራዊ ታዕሊም ተላኢኹም ዝብል ምጉት ዘለዎ፣ ኣብሺር ኣሕመድ ብወገኑ፣ መንግስቲ ሶማል፣ ነቲ ውሳኔ ብሕቡእ ከተግብሮ ምድላዉ፣ ዘይሕጋውን ዘሕትትን’ዩ ክብል ኣረዲኡ።

ወትሃደራት ሶማል ናብ ኤርትራን ትግራይን ከምዝተላእኩ ክኽሕድ ዝወርሐ መንግስቲ ሶማል፣ ኣዴታት “ሃለዋት ደቅና ኣፍልጡና” ብዝብል ድሕሪ ዘካየድኦ ተቓውሞታት፣ እቶም ሶማላውያን መንእሰያት ናብ ኤርትራ ንታዕሊም ከምዝኸዱ ክእመን ተገዲዱ’ዩ።

ይኹን’ምበር፣ እቲ ብሰንኪ ምርጫ ኣብ ፖለቲካዊ ወጥሪ ዝርከብ መንግስቲ ሶማል፣ ወትሃደራቱ ኣብ ኵናት ትግራይ ብዛዕባ ምስታፎም ይኹን ሃለዋቶም ብዝምልከት ዛጊት ወግዓዊ መግለጺ ኣይይሃበን።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0