ጂቡቲን የመንን ኣብ ምልውጥ ሓበሬታን ጸጥታን ዞባአን ብሓባር ክሰርሓ ዘኽእልን ፕሮቶኮል ከቲመን

Radio Erena: 24 March 2022

መንግስታት ጂቡቲን የመንን፣ ኣብ ምልውዋጥ ሓበሬታን ጸጥታን ብሓባር ከስርሖም ዝኽእል ስምምዓትን ፕሮቶኮላትን ከቲመን።

እዚ ዝተኸተመ፣ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ኣሕመድ ዓዋድ ቢን ሞባረክ ዝመርሖ ላዕለዋይ ወኪል መንግስቲ የመን ኣብ ጂቡቲ ኣብ ዘካየዶ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደቱ።

እቲ ሚኒስተር፣ ብ20 መጋቢት ናብ ጂቡቲ ድሕሪ ምእታዉ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ሪያድ ካብ ዝርከብ ፕረዚደንት የመን፣ ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ ናብ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ ዝተላእከ መልእኽቲ ኣብጺሑ።

ምስ ጂቡታዊ መዘንኡ፣ ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ ብምርኻብ ድማ፣ ነቲ ስምምዓትን ፕሮቶኮላትን ከቲሞሞ።

ርክብ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ጂቡቲን የመንን፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ርክብ ኮሚተ ክልቲኤን ሃገራት ኮይኑ እዚ መበል ሻብዓይ’ዩ።

ኣብ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ፣ ኣብ መጻብቦ ባብ ኤልመንደብ፣ ብክሊ ማይ ዝዋሰና እዘን ክልተ ሃገራት፣ ኣብቲ ዞባ እቲ ዝልዓለ ስትራቴጃዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ገማግም ዝውንና’የን።

ይኹን’ምበር የመን፣ ኣብ ኵናት ስለ እትርከብ፣ እቲ ዓመታዊ 10ታት ኣሽሓት መራኽብ ዝመላለሳሉ፣ መጻብቦ ባብ ኤልመደብ ኣብ ሓደጋ፣ ስግኣት ሓያሎ ሃገራት’ዩ።

ካብዚ ብምብጋስ ድማ፣ ኣመሪካ፣ ፈረንሳ፣ ቻይና፣ ጃፓንን ዝርከብአን ሃገራት ኣብ ጂቡቲ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ከቑማ እንከለዋ፣ ካልኦት ሃገራት ድማ ጭፍራ መራኽብ ኵናት ኣብ ኣህጉራዊ ክሊ ማይ ናይቲ መጻብቦ ከንቀሳቕሳ ይርኣ’ያ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0