ኤርትራ፣ ንሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ዓብሊላ ትቕጽል ኣላ

Radio Erena: 24 March 2022

መበል 17 ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ፡ ሎሚ ሓሙስ 24 መጋቢት፡ ብውድድር ክሮኖሜትር ውልቂ፡ ንኻልኣይ መዓልቱ ቀጺሉ ኣብ ዝወዓለሉ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሕጂ’ውን ዓወት ኣይተፈለያን።

ጁንየር ደቂተባዕትዮ ተቐዳደምቲ 14.4 ኪሎ ሜትር ዝርሕቐቱ ውድድር ንምሽፋን ኣብ ዘካየድዎ ውድድር፡ ኣኽሊሉ ኣረፋይነን ዮናስ ተኪኤን ቀዳማይን ካልኣይን ብምዃን ብቅደም ተኸተል ወርቂን ብሩርን ሜዳልያታት ከንጠልጥሉ ከለዉ፡ ጁንየር ደቂኣንስትዮ ኣብ ዘሰላሰልኦ ተመሳሳሊ ርሕቐት ዝነበሮ ቅድድም ከኣ፡ ሳሮን ተኽሉ ብደቡብ ኣፍሪቃዊት ካይትሊን ቶምሰንን ሞሮካዊት ቻኪር ራጃን ተበሊጻ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ነሓስ ሜዳልያ ኣንጠልጢላ።

ሲንየርን ትሕቲ 23 ዓመትን ደቂተባዕትዮ ተቐዳደምቲ ኣብ ዘቃንዕዎ 44.4 ኪሎ ሜትር ዝርሕቐቱ ውድድር ሄኖክ ሙሉብርሃን ንደቡብ ኣፍሪቃዊ ጉስታፍ ባሶን ስዒቡ ካልኣይ ብምዃን ብሩር ሜዳልያ ወኒኑ።

ኣብ ደቂኣንስትዮ ትሕቲ 23 ዓመት ድማ፡ ዳናይት ፍጹም ብድሕሪ ኣልጀርያዊት ነስሪን ሆውሊ ተሰሪዓ ተሸላሚት ብሩር ሜዳልያ ኮይና።

ክሳብ ሕጂ ተኻይዱ ኣብ ዘሎ ውድድራት ኤርትራ፡ 5ወርቂ፡ 2ብሩር፡ 1 ነሓስ ሜዳልያ ብምድላብ ንውድድር ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ዓብሊላቶ ትርከብ።

እዚ ኣብ ግብጺ፣ ከተማ ሻርም ኣልሸኽ ዝግበር ዘሎ ቅድድም፣ ጽባሕ ዓርቢ ሲንየርን ትሕቲ 23 ዓመትን ደቂ ተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ተቐዳደምቲ ተሓናፊጾም ብዘካይድዎ ውድድር ምቕብባል ወይ ከኣ ሪለይ ክቕጽል እዩ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0