ጂቡቲን ኢራንን፣ ንሸውዓተ ዓመታት ተበቲኹ ዝጸንሐ ዝምድንአን ንምሕዳስ ተሰማሚዐን

Radio Erena: Monday, 25 September 2023

ጂቡቲን ኢራንን፣ ንሸውዓተ ዓመታት ተበቲኹ ዝጸንሐ ዝምድንአን ዳግም ንምሕዳስ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሓ ተገሊጹ።

ጂቡቲን ኢራንን ዝምድንአን ንምሕዳስ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሓ ዝግለጽ ዘሎ፣ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ክልትኤን ሃገራት ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝካየድ ዘሎ መበል 78 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ተራኺቦም ድሕሪ ዘካየዶ ዘተ’ዩ።

እቶም ሚኒስተራት በብወገኖም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ክልቲኤን ሃገራት ዝምድንአን ብምሕዳስ ኣብ ንግዲ፣ ወፍሪን፣ ምስግጋር ቴክኖሎጂን ካልእን ዘተኮረ ናይ ምትሕግጋዝ መደባት ክሰርዑ ምዃኖም ገሊጾም።

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ማእሰርቲ ሒዛቶ ንዝነበረት፣ መራሒ እምነት እስልምና ሺዓ እታ ሃገር፣ ሸኽ ኒማር ኣል ኒማር፣ ኣብ 2016 ድሕሪ ምስያፋ ምስ ኢራን ኣብ ዝልዓለ ጥርዚ ምስሕሓብ ከምዝበጽሐት ኣይርሳዕን።

ኣቐዲሙ’ውን ኣብ 2015፣ ብስዑዲ ዓረብ ዝተመርሐ ኵናት ኣንጻር እቶም ብኢራን’ዮም ዝድገፉ ዝተባህሉ ዕጡቓት እምነት ሺዓ ዝኾኑ ሑቲ ናይ የመን፣ ነዘን ክልተ ሃገራት ናብ ምትፍናን ከምዘእተወን ይዝከር።

ጂቡቲ ድማ ኣብ ክልቲኡ እዚ ጉዳያት ጸግዒ ስዑዲ ዓረብ ብምሓዝ ምስ ኢራን ዝነበራ ዝምድና ከምዝበተኸት ኣይርሳዕን።

ስዑዲ ዓረብን ጂቡቲን፣ ዝበዝሑ ዜጋታተን ተኸተልቲ እምነት ምስልምና ሱና ክኮኑ እንከለዉ፣ ኢራን ድማ ልዕሊ 88% ካብቲ 82 ሚልዮን ዝግመት ብዝሒ ህዝባ፣ ኣማኒ እምነት ምስልምና ሺዓ ምዃኑ ይግለጽ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0