ኢትዮጵያ ዝመበቆሉ ሰራሕተኛ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ካብ ሳትላይት ዝተኣከበ ምንቅስቃስ ዕጡቓት ተቓወምቲን ጎረባብቲ ሃገራትን ዝርከቦ ስለያዊ ሓበሬታ ንኢትዮጵያ ብምስግጋሩ ተኸሲሱ

Radio Erena: Monday, 25 September 2023

ኢትዮጵያ ዝመበቆሉ፣ ኣብራሃም ተኽሉ ለማ ዝተባህለ፣ ሰራሕተኛ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢን ፍትሒን ኣመሪካ፣ ምስጢራዊ ሰነዳት ንስለያ ኢትዮጵያ ብምስግጋሩ ተኸሲሱ።

እቲ ወዲ 50 ዓመት ምዃኑ ዝተኸሰሰ፣ ናይ ኣመሪካ ዜግነት ዘለዎ ኢትዮጵያዊ፣ ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ካብ ዝርከብ ምስጢራዊ ሰነዳትን ካብ ሳትላይት ዝተኣከበ ሓበሬታ ምንቅስቓስ ዕጡቓት ተቓወምትን ሰራዊት ጎረባብቲ ሃገራትን ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከሰጋግር ብምጽንሑ ተኸሲሱ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ መርበባት ዜና እታ ሃገር ኣረጋጊጸን።

ኣብራሃም፣ ካብ 2019 ኣትሒዙ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ኣመሪካ ከምዝሰርሐ ዝሓበረት መደበር ቴሌቪዥን ሲኤንኤን፣ ኣብ ጉዳያት ወጻኢ ከም ቴክኒሻንን ክኢላ ናይ ሓበሬታን ቴክኖሎጂን ኣብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ድማ ከም ተንታኒ ኮይኑ ምስርሑ ጠቒሳ።

ንሱ በብእዋኑ ሓበሬታ ካብ ኮምፒተራት እናውረደን እናቐድሐን ክእክብ ከምዝጸንሐ ዝጠቐሰ ጸብጻብ ቤት ፍርዲ ብወገኑ ካብ ታሕሳስ 2022 ክሳብ ነሓሰ 2023 ኣብ ዝነበረ ኣስታት ትሽዓተ ኣዋርሕ ድማ 85 ስለያዊ ሰነዳት ኣብ ኢዱ ከምዘእተወ ኣነጺሩ።

ብተወሳኺ’ውን 48 ናይ ወረቐት ሰነዳት ብፎቶኮፒ ቀዲሑ፣ ብመልክዕ ሲዲን ዲቪዲን ከምዝሓዞ ‘ዩ ተኸሲሱ።

መብዛሕቱ እቲ ዝሓዞ ሰነዳት ምስ ኢትዮጵያን ጎረባብታን ዝተኣሳሰር ስለያዊ ሓበሬታ ኮይኑ፣ ንዝኾነ ይኹን ምኽንያት ኣብ ኢዱ ክሕዞ’ውን ብሕጊ ዘይፍቀደሉ ምንባሩ’ዩ ተመልኪቱ።

ኣብራሃም፣ ናብ መበቆል ዓዱ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተመላለሰሉ፣ ኣብ ሓደ ሆቴል ምስ ሓደ ናይ ስለያ ኣባል እታ ሃገር ብምርኻብ፣ ሓበሬታ ከምዝተለዋወጠን ሒዝዎ ዝመጸ ሰነዳት ከምዘረከቦን ዘመልከተ ጸብጻብ ሲኤንኤን፣ ከም ሞሳ ዝተዋህቦ ክኸውን ዝኽእል ገንዘብ ድማ ናብ ዝተፈላለየ ናይ ባንክ ሕሳባት ከምዝተሰጋገረሉ ኣገንዚቡ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0