ጂቡቲን ሶማልን ኣብ ወትሃደራዊ መዳይ ንምትሕግጋዝ ዘትየን

Radio Erena: 28 October 2022

ብሚኒስተር ምክልኻል ሶማል፣ ዓብደልቃድር መሓመድ ኑር ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ኣብ ጂቡቲ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ልኡኽ ካብ 24 ጥቅምቲ ኣትሒዙ ኣብ ጂቡቲ ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ምስ ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር፣ ሓሰን ዑመር መሓመድን ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት፣ ጀነራል ዘካርያ ሸኽ ኢብራሂምን ብምራኽብ ተመያይጡ።

ኣብቲ ምይይጥ፣ መንግስቲ ሶማል፣ ኣልሸባብ ንምምካት ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ወፍሪ፣ ጂቡቲ ክትተሓጋገዞ ድልዉቲ ከምዘላ ተገሊጹ።

ጂቡቲ፣ ኣብ ትሕቲ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሓቖፈ ኣስታት 3500 ዝግመት ሰራዊት ኣብ ሶማል ኣዋፊራ ከምዘላ ይፍለጥ።

ከም ግብረ መልሲ ናይዚ፣ ኣልሸባብ፣ ዶብ ሰጊሩ ኣብ ጂቡቲ መጥቃዕቲ ከየካይድ ስግኣት ኣሎ።

መንግስቲ ጂቡቲ፣ ብ07 ጥቅምቲ፣ ኣብ ዞባ ታጁራ ዓስኪሩ ኣብ ዝነበረ ሰራዊቱ፣ ‘ፍሩድ’ ብዝተባህለ ዕጡቕ ጉጅለ መጥቓዕቲ ከምዝተፈጸመሉ ክወቕስ ጸኒሑ’ዩ።

እቲ መንግስቲ ነቲ ‘ሽበራዊ’ዩ’ ዝብሎ ጉጅለ ንምህዳን ካብ ኢትዮጵያን ሶማልን ሓገዝ ይሓትት ምህላዉ ወትሃደራውያን ምንጭታት ይገልጹ።

ጂቡቲ ኣብዚ ዛዕባ’ዚ ንምዝታይ ብ11ን 14 ጥቅምቲ ልኡኻታ ናብ ኢትዮጵያን ሶማልን ከምዘዋፈረት ኣፍሪካን ኢንተሊጀንስ ኣቃሊሑ።

ኣብ 14 ጥቅምቲ ናብ ሶማል ዘምርሐ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ጂቡቲ፣ ዘካርያ ሸኽ ኢብራሂም፣ ምስቲ ኣብዚ ሳልስቲ ናብ ጂቡቲ ዝበጽሐ ልኡኽ መንግስቲ ሶማል፣ ኣብ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ክዝቲ፣ ኣብ ውሽጢ ክልተ ቅነ ንኻልኣይ እዋኑ’ዩ።

ስእሊ፣- ካብ ጋሮወ ኦንላይን

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0