ካናዳ፣ ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምስ ቀዳሞት ሸሞንተ ሃገራት ተሰሪዑ

Radio Erena: 28 October 2022

ካብ 2016 ክሳብ 2021 ኣብ ዝነበረ ሓሙሽተ ዓመታት፣ 218, 430 ስደተኛታት ናብ ካናዳ ከምዝኣተዉ ንጸብጻብ ክፍሊ ኢምግሬሽን እታ ሃገር ብምጥቃስ መርበብ ዜና ሲቢኤስ ሓቢሩ።

ኣብዚ ዝተጠቐሰ ዓመታት፣ ኣብ ካናዳዊ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ካብ ዝረኸቡ ወጻእተኛታት፣ ብ18.6 % ህንዳውያን ቀዳሞት ክኾኑ እንከለዉ፣ ዜጋታት ፊሊፒንስ 11.4% ዜጋታታት ቻይና ድማ 8.9% ሸፊኖም።

እታ ሃገር፣ ብመልክዕ ዑቕባ ካብ ዝተቐበለቶም ብዝሒ ስደተኛታት፣ ሶርያውያን ብ61 ሽሕ ቀዳማይ ደረጃ ይሕዙ።

ንዜጋታት ሶርያ ስዒቦም፣- ዒራቕ ብ15,505፣ ኤርትራ 13,965, ኣፍጋኒስታን 9,490 ፓኪስታን ድማ 7,810 ካብ ዜጋታተን፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ካናዳ ዑቕባ ሓቲቶም ይነብሩ ኣለዉ።

ኤርትራ፣ ናብ ካናዳ ብዝፈለሱ ብዝሒ ዜጋታታ ምስ ቀዳማት ሸሞንተ ‘ያ ተሰሪዓ ዘላ።

እንተኾነ፣ ምስ ብዝሒ ህዝባ ብምንጽጻር፣ ቀዳማይ ደረጃ’ያ ትሕዝ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ክንዲ’ቲ ናይ ኤርትራ ናብ ካናዳ ዝፈለሱ ብዝሒ ዜጋታት ዘለዋ ኣፍሪቃዊት ሃገር የላን።

ካናዳ፣ ካብ 2016 ክሳብ 2021 ኣብ ዝነበረ ሓሙሽተ ዓመታት፣ ምስ ንግዲ፣ ትምህርቲ፣ ዓያዩ ጉልበት፣ ሞያዊ ዓቕሚ ሰብ፣ ዑቕባን ፍሉይ መንበሪ ፍቓድን፣ ካብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝወሐዙ፣ ብጠቕላላ ኣስታት 1.3ሚልዮን ወጻእተኛታት’ያ ተቐቢላ።

እቶም ኣስታት ፍርቂ ካብዝኣቶም፣ ብቁጠባዊ መደባት ከምዝኣተዉ ክፍሊ ኢምጊሬሽን የነጽር።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0