ጂቡቲን ርዋንዳን፣ ኣብ ቁጠባ ክተሓጋገዛ ዘኽእልን ስምምዓት ከቲመን

Radio Erena: 12 May 2023

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ጂቡቲ፣ ኣብ ርዋንዳ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ሚኒስተር፣ ብ10 ግንቦት፣ እብ ክተማ ኪጋሊ፣ ምስ ርዋንዳዊ መዘንኡ፣ ቪንሰንት ቢሩታ ኣብ ዝተራኸበሉ፣ ዝተፈላለየ ስምምዓት ከምዝኸተመ መርበብ ዜና ኒው ታይምስ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ፖስል ካጋመ ኣብ 2017 ናብ ጂቡቲ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፣ ምስ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ፣ ኣብ ምምስራት ናጻ ዞባን ካልእን ዘተኮረ ናይ ንግድን ቁጠባን ስምምዓት ከቲሙ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

እንተኾነ፣ እቲ ስምምዓት ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ እባ ግብሪ ከምዘይወዓለ’ዩ ዝግለጽ።

ዕላማ ዑደት ሚኒስተር ጉዳያት ውጻኢ ጂቡቲ ናብ ርዋንዳ’ውን ነዚ ንምብርባርን ዝዓለመ ምዃኑ እቲ መርበብ ዜና ኣብሪሁ።

ጂቢቲ፣ ንናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ዝገልግል፣ 20 ሄክታር መሬት ንርዋንዳ ክትህባ እንከላ፣ ርዋንዳ ብወገና ንተመሳሳሊ መዓላ ዘገልግል መሬት ንጂቡቲ ከምዝሃበት ኣይርሳዕን።

ብፍላይ ርዋንዳ፣ ነቲ ኣብ ጂቡቲ ዝተዋህባ ካብ ቀረጽ ናጻ ዝኾነ መሬት፣ ካብን ናብን ወጻኢ ሃገራት እተእትዎን እትልእኮ ነገራት፣ ከም ማእከል ናይ ዕዳጋ ክትጥቐመሉ ከምእትኽእል ይግለጽ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0