መራሕቲ ጎረባብቲ ሱዳን ናይ ዝኾና ሰለስተ ሃገራት፣ ግብጺ፣ ደቡብ ሱዳንን ቻድን ኣብ ህሉው ኩነታት ክዝትዩ’ዮም

Radio Erena: 12 May 2023

መራሕቲ ግብጺ፣ ደቡብ ሱዳንን ቻድን፣ ኣብ ሱዳን ተፈጢሩ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት ንምዝታይ፣ ኣብዚ ቀረባ፣ ዋዕላ ከካይዱ ምዃኖም ተሓቢሩ።

እብ ግብጺ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ኣብ ጉዳያት ሃገራዊ ድሕነት፣ ቱት ጋትሉዋክ፣ ምስ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝገበሮ ቃል መጠይቕ፣ እዘን ሰለስተ ጎረባብቲ ሃገራት በቲ ኣብ ሱዳን ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ብቀጥታ ዝጽለዋ ብምዃነን፣ ኣብቲ ጉዳይ ብምትኳር ዋዕላ ክግበራ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

እቲ ዋዕላ ዝካየደሉ ዕለትን ቦታን ኣይተጠቕሰን።

ቅድሚ ሳልስቲ፣ ብሚኒስተር ጉዳያት ውጻኢ ግብጺ፣ ሳምሕ ሾክሪ ዝተምረሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ግብጺ፣ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ንምምይያጥ፣ ናብ ጁባን ንጄሜናን በጺሑ’ዩ።

ሱዳን፣ ኤርትራ ምስ እትርከበን ሸሞንተ ሃገራት’ያ ትዳወብ።

እንተኾነ፣ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ናብ ዝበኣሰን ዝተሓላለኸን መድረኽ እንተተሰጊሩ፣ ብፍላይ ንደቡብ ሱዳን፣ ቻድን ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃን ብኣሉታ ክጸልወን ምዃኑ ተንተንቲ የጠንቅቑ።

ካብ 06 ግንቦት ኣትሒዞም፣ ብመንጎኝነት ኣመሪካ ኣብ ጂዳ ዝዘተዩ ዘለዉ ክልቲኦም ተጻረርቲ ሓይልታት ሱዳን፣ ዛጊት ናብ ስምምዕ ክበጽሑ ኣይከኣሉን።

እንተኾነ ካብ ትማሊ ኣትሒዙ፣ ንቀዋሚ ስምምዕ ምቑራጽ ቶዅሲ ተስፋ ዝህብ ዘተ ምክያዱ ሮይተርስ ስሞም ንዘይረቝሖም ዲፕሎማሰኛታት ብምጥቃስ ሓቢሩ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0