ጀኔቫ፣ ኤርትራውያን ናይ ፖለቲካ እሱራት ንምዝካር ዝዓለመ ስእላዊ ምርኢት ቀሪቡ

Radio Erena: MONDAY, 12 June 2023

ኣብ ኤርትራ ብዘይ ክሲ፣ ፍርዲ፣ ፍትሕን ንልዕሊ 20 ዓመት ተኣሲሮም፣ ደሃዮም ዝጠፍአ ናይ ፖለቲካ እሱራት ንምዝካር ዝዓለመ ስእላዊ ምርኢት ኣብ ጀኔቫ ከምዝቐረበ ወኪል ራድዮ ኤረና ካብታ ከተማ ሓቢሩ።

ካብ ዝተፈላለያ ካቶናት ስዊዘርላንድ ዝተኣኻኸቡ ኤርትራውያን ኣብ ዝወደብዎ ኣኼባ፣ ነቶም ኤርትራውያን እሱራት ዜጋታቶም ብምዝካር፣ ፍትሒ ክረኽቡ ጸዊዖም።

መንግስቲ ኤርትራ ካብ መስከረም 2001 ኣትሒዙ ዝኣሰሮም፣ ስበ ስልጣን ነበርን ጋዜጠኛታት ናይ ብሕቲን ዝርከብዎም 10ታት ኤርትራውያን ናይ ፖለቲካ እሱራት፣ ነዚ ዝሓለፈ 22 ዓመታት ሃለዋቶም ኣይፍለጥን።

ሓያሎ ካብቶም ብዘይሕጋዊ መስርሕ ዝተቐየዱ ናይ ፖለቲካ እሱራት፣ ብሰንኪ ሕማቕ ኣተሓሕዛን ሰኣን ግቡእ ምክትታል ሕክምናን ህይወቶም ከምዝሓለፈ ዝጥቐስ እኳ እንተኾነ፣ እቲ መንግስቲ ብዛዕባ ሃለዋቶም ብዝምልከት ንስድራቤታዮም ሓበሬታ ክህብ ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ፣ ዛጊት ሃለዋቶም ንምፍላጥ ኣይተኻእለን።

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን ደለይት ፍትሒ፣ ነዞም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝተቐየዱ ኤርትራውያን ወገናቶም ንምዝካር ዝተፈላለየ መደባት ከምዝውድቡ ይፍለጥ።

ኤርትራውያን ነበርቲ ስዊዘርላንድ ዝሓለፈ ሰሙን ዝወደብዊ ዝኽሪን ዘቕረብዎ ስእላዊ ምርኢት’ውን ኣካል ናይዚ’ዩ።

እቶም ሰብኣዊ መሰል ዝኽበረላ፣ ናይ ፖለቲካ ብዙሕነት ዘለዋ፣ ሓሳብካ ብነጻ ምግላጽ ዝፍቀደላ ስዊዘርላንድ ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፣ ብተወሳኺ፣ ምውህሃድ ወይ ኢንተግረሽን፣ ሕግን ሕጋውነትን፣ ቃልሲ ንፍትሕን ካልእን ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት’ውን ዘትዮም::

ኣብ መደምደምታ ድማ፣ ንዜጋታት ኤርትራን ስዊዘርላንድን ዝጥርንፍ ማሕበር Eri-Swiss ብምቋም ኣብታ ሃገር ንዝነብሩ ማሕበረሰብ ንምትሕግጋዝ ዘንቀደ ንጥፈታት ከሰላስሉ ወሲኖም።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0