ኦሮሚያ፤ ኣባላት ፋኖ ምዃኖም ዝተገልጹ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብውሑዱ ሓሙሽተ ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: Friday, 11 June 2023
ኣብ ኢትዮጵያ ምዕራብ ኦሮሚያ፤ ኣባላት ፋኖ ምዃኖም ዝተገልጹ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብውሑዱ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ተሓቢሩ።
ኣዲስ ስታንዳርድ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣዘራሪበ ኣብ ዝበሎ ጸብጻብ፤ ብ7 ሰነ ዘይስሩዓት ኣባላት ፋኖ እሙሩ ኣብ ዝተባህለ ወረዳ ብዝኸፈቱዎ ተኹሲ፤ ብዘይካ’ቶም ሓሙሽተ ሰባት ዝሞቱ፤ ካልኦት ሓያሎ ከምዝቖሰሉ፤ ኣባይቲ ምቅጻሎምን፤ ምዝራፎምን ሓቢሩ።
እቶም ግዳያት ኩሎም ሓረስቶት ብምዃኖም፤ ዕላማ ናይቲ መጥቃዕቲ፤ ንሓረስቶት’ቲ ከባቢ መሬቶም ገዲፎም ንክኸዱ ንምስግዳድ ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝብል ግምታት ይወሃቦ።
ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ዝወረዶም ሓረስቶት’ቲ ከባቢ፤ ቤት ንብረቶም ገዲፎም ሃሮ ኣብ እትበሃል ሓውሲ ከተማ ተዓቚቦም ምህላዎም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም።
በቲ መጥቃዕቲ ዝቖሰሉ ነበርቲ፤ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ተወሲዶም ኣለዉ።
ዕጡቓት ሓይልታት ፋኖ ኣብቲ ዞባ ተኸታታሊ መጥቃዕታት ፈጺሞምን ይፍጽሙ ኣለዉን ዝብሉ ናይ ቃል ምስክርነቶም ዝሃቡ ነበርቲ፤ ፈደራላዊ መንግስቲ ኮነ ናይቲ ክልል መንግስቲ ክከላኸሉሎም ብዘይምኽኣሎም ምረቶም ይገልጹ።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0