ድሕሪ ዝተኻየደሉ ፈተነ ቅትለት ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝሃደመ ቀ/ሚ የመን እንደገና ናብ ዓደን ተመሊሱ

ድሕሪ ዝተኻየደሉ ፈተነ ቅትለት ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝሃደመ ቀ/ሚ የመን እንደገና ናብ ዓደን ተመሊሱ

Radio Erena: 27 January 2016

yemen

ድሕሪ ዝተኻየደሉ ፈተነ ቅትለት ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተዓቝቡ ዝጸንሐ ቀዳማይ ሚኒስተር የመን ካልድ በሓሕ እንደገና ናብ ዓደም ከምዝተመልሰ ተገሊጹ።

ኣብ ጥቕምቲ 2015 ኣብ ቤት ጽሕፈት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ድሕሪ ዝተኻየደ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ፣ እቲ ቅዳማይ ሚኒስተር ምስ ኣባላት ካቢኔኡ ናብ ስዑዲ ዓረብ’ዩ ሃዲሙ ጸኒሑ።

ማዕከናት ዜና የመን ብዝህቦ ዘለዋ መግለጺ ድማ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ኣባላት ካቢኤኡ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ናብ ዓድድደን ተመሊሱ ይርከብ።

 

እንተኾነ ጸጥታ ዓደንን ካልኦት ከተማታት እታ ሃገርን ውሑስ ክኸውን ብዘይምኽኣሉ፣ መንግስቲ የመን ጸኒዑ ክቐውም ኣይከኣለን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣገደሲ ትካላት መንግስቲ የመን ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሑ ናይ ግዳም ሓይልታት’ዩ ዝሕሎ ዘሎ።

መንግስቲ የመን ብገዛእ ሰራዊቱ ጸጥታ ትካላቱ ንምውሓስ፣ ኣማኢት ኣባላት ሰራዊቱ ኣብ ኤርትራ ስልጠና ከምዝወሰዱ’ውን ምንጭታት የመን ይጠቕሱ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0