ታንዛንያ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ክትገፍፍ’ያ

ታንዛንያ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ክትገፍፍ’ያ

Radio Erena: 27 January 2016

Tanza

ታንዛንያ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተዉ መብዛሕዝቶም ኢትዮጵያውያንን ሶማላውያንን ዝርከብዎም ዜጋታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምህዳን ፍሉይ ስርሒት ከተካይድ ምዃና ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ቻርለስ ኪቲዋንጋ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስተር ነዚ ዘፍለጠ፣ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምስጋር ዝሓለኑ ኢትዮጵያውያንን ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ናብታ ሃገር ይኣትዉ ከምዘለዉ ብምጥቃስ’ዩ።

ንሱ ብተወሳኪ፣ በዚ ዝካየድ ስርሒት ብዘይሕጋዊ ፍቓድ ኣብ ታንዛንያ ዝነብሩ ዘለዉ ኢትዮጵያን ይኹኑ ካልኦት እናተሃድኑ ናብ ዓዶም ክጥረዙ ምዃኖም ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣረጋጊጹ።

 

ፖሊስ ታንዛንያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክሰግሩ ዝሓለኑ 40 ኢትዮጵያውያን ከምዝሓዘ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ካብ ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ሶማልያን ዝብገሱ ኣማኢት ዜጋታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ታንዛንያ፣ ማላዊ ወይ ዛምብያ፣ ሞዛምቢክ ወይ ዚምባብዌን ከምኡ’ውን ቦትስዋና እናቆራረጹ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝኣትዉ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የመልክቱ።

================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0