ዳርፉር፣ ብዝተወልዐ ቀቢላዊ ግጭት ብውሕዱ 24 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 03 January 2020

ኣብ ሱዳን፣ ዞባ ዳርፉር፣ ኣብ መንጎ ናይ ዓረብ መበቆል ዘለዎምን ጸለምትን ቀቢላታት ብዝተጓሃሃረ ግጭት ብውሕዱ 24 ሰባት ከምዝተቐትሉ ማዕከናት ዜና ኣቃሊሐን።

እቲ ኣብ ምዕራብ ዳርፉር ኣብ ዝርከብ፣ ካብ ኣባይቶም ዝተመዛበሉ ነበርቲ እቲ ዞባ ኣብ ዝተዓቝብሉ ግዝያዊ መዓስከር ዝተኻየደ ግጭት፣ ዓረባዊ መበቆል ዘለዎ ሓደ ሰብ ድሕሪ ምቕታሉ ከምዝተጎሃሃረ ዝሓበሩ ዝተፈላለዩ ወገናት ካብቲ ከባቢ፣ ሚሊሻታት ናይቲ ቀቢላ ተኣኻኻኪቦም ናብቲ መዓስር ብምእታው ንጸለምቲ ከምዘጥዕቁ’ዩ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ዞባ ተዋፊሩ ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ብወገኑ፣ ካብ ቀቢላ ዓረብ ዝኾኑ ወገናት ብሰኑይ 30 ታሕሳስ ናብቲ መዓስከር ብምእታው 10ታት ሰባት ከምዝቐተሉን ነቲ መዓስከር ከምዘቓጸልዎን ኣረጋጊጹ።

ነቲ ግጭት ከህድእ ተበግሶ ዝወሰደ ሓደ ኣባል ፖሊስ ከምዝተቐትለ’ውን ኣፈኛ ዓቃብ ሰላም ኣሽራፍ ዒሳ ጠቒሱ።

ኣብ ዞባ ዳርፉር፣ ኣብ መንጎ ናይ ዓረብ መበቆል ዘለዎም ሚሊሻን ጸለምቲ ተወላዶ እቲ ዞባን ብዝተደጋጋሚ እዋን ግጭታት ከምዝጎሃሃር ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብ ዞባ ዳርፉር ካብ 2003 ኣትሒዙ ብዝተጓሃሃረ ግጭት ኣስታት 300 ሽሕ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ 2.5 ሚልዮን አባት ድማ ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0