ዚምባብወ፣ መጠን ክፍሊት ሆስፒታላት ብ600% ወሲኹ

Radio Erena: 05 January 2020

መንግስቲ ዚምባብወ፣ ኣብ ሆስፒታላት ብዝገበሮ ወሰኽ ክፍሊት፣ ካብ ሓያሎ ወገናት እታ ሃገር ተቓውሞ ይገጥሞ ኣሎ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ዚምባብወ ብሓሙስ 2 ጥሪ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ሕሙማት ዝኸፍልዎ መጠን ገንዘብ ብሽዱሽተ ዕጽፊ ከምዝወሰኸን፣ ንሕርሲ ኣብ ዝመጻ ደቀንስትዮ ከኣ ሓዲሽ ታሪፍ ከምዘተኣታተወ ሓቢሩ።

ማሕበረሰብ ጥዕና ዚምባብወ ተቓውሞኡ ንምግላጽ ኣብ ዘስምዖ ዘሎ ጥርዓን፣ ክፍሊት ሆስፒታላት ብሽዱሽተ ዕጽፊ ምውሳኽ ማለት፣ ኣብ ድኽነት ዝነብር ዝበዝሐ ህዝቢ ዚምባብወ ኣገልግሎት ጥዕና ከይወሃብ ምኽልካል ማለት ምዃኑ ገሊጹ።

ብፍላይ ኣብ እዋን ሕርሲ ንዘጋጥም ሞት ኣዴታትን ዕሸላትን ምንንካይ ብደረጃ ዓለም ጎስጓስ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፣ ንሓንቲ እትሓርስ ኣደ ክሳብ 2,500 ዶላር ዝበጽሕ ክፍሊት ምሕታት ማለት፣ ናይ ሞት ፍርዲ ምብያን ማለት ምዃኑ ማሕበረሰብ ጥዕና እታ ሃገር ይገልጽ።

ዚምባብወ ኣጋጢሙዋ ብሰንኪ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው፣ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ንዝጅምር ዓመተ ትምህርቲ፣ መመዝገቢ ተመሃሮ እውን ብዝተዓጻጸፈ ክውስኽ ከምዝኽእል ይንገር።

እንተኾነ ብኤመርሰን መንጋጓ ዝምራሕ መንግስቲ ዚምባብወ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ ልዕሊ ተመሃሮ ዝውስኽ መጠን ክፍሊት የለን ክብል እዩ ዝገልጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0