ደቡብ ሱዳን፣ ካብ ጁባ ናብ ቦር ኣብ ዝወስድ መንገዲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 13 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 09 May 2017

Juba bor

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ካብ ከተማ ጁባ ናብ ቦር ኣብ ዝወስድ መንገዲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 13 ሰባት ከምዝተቐትሉ መንግስቲ እታ ሃገር ኣረጋጊጹ።

በቲ ብዓርቢ 5 ግንቦት፣ ብኣውቶቡስ ኣብ ልዕሊ ዝጎዓዙ ዝነበሩ ሰባት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ሓያሎ ዝቖሰሉን ደሃዮም ዝተሳእነን ሰባት ከምዘለዉ’ውን እቲ መንግስቲ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

ንከተማ ጁባን ቦርን ዘራኽብ መንገዲ፣ ዕሙር ናይ ንግዲ መስመር ብምዃኑ፣ ብብዝሒ ነጋዶን ኣውፈርትን ዝንቀሳቐስሉ’ዩ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ብመኪና ዝጎዓዙ ዝነበሩ ሰባት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ምስ ዝምታ ዝተተሓሓዘ ክኸውን ከምዝኽእል ግምታት እኳ እንተሎ፣ ዕላማ’ቲ መጥቃዕቲ ይኹን ዝፈጸሞ ጉጅለ ዛጊት ክንጸር ኣይከኣለን።

 

ስእሊ፣ ፋይል ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0